ቃለ-መጠይቕ ምስ ቀዳመይቲ ምርኣይን ምስማዕን ዝሰአነት ምርቕቲ ሃርቨርድ ዩኒቨርሲቲ ሓበን ግርማ

ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት መንእሰይ ሓበን ግርማ ቀዳመይቲ ምርኣይን ምስማዕን ዝሰአነት ምርቕቲ ሃርቨርድ ዩኒቨሲቲ’ያ። ሎሚ ሓበን አብ ትካል ተሓለቕቲ መሰላት ጉዱአት አካል ጠበቓ ኮይና ትሰርሕ። እቲ ትካል ብፍላይ ምርኣይን ምስማዕን ንዝሰኣኑ ብሐፈሻ ንጉዱአት አካል ንዝኾኑ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንክረኽቡ ዝሕለቕን ዝሰርሕን ትካል’ዩ።

ሓበን ምርኣይን ምስማዕን ዝሰኣኑ ዕድል ትምህርቲ ንኽረኽቡ ብዘካየደቶ ጻዕርን ስራሕ አብቲ ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ(ዋይት ሃውስ) ዘዳለዎ ክብረ በዓል ተረኺባ መደረ ከተሰምዕን ምስ ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ክትራኸብን ዕድል ረኺባ’ያ።

አብ 2013 ዓ.ም.ፈ ዋይት ሃውስ ሻንፕዮን ንለውጢ ብምባል'ውን ንስርሓ አፍልጦ ሂብዋ።ቢቢሲ'ውን ጅግና ብምባል አብ መደብ ደቂ-አንስትዮ አፍሪቃ ረቑሕዋ'ዩ።

ሓበን ንናይ ሂወት ታሪኻን ተመክሮአን ዓወታታን ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጻ'ላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

Your browser doesn’t support HTML5

ቃለ-መጠይቕ ምስ ቀዳመይቲ ምርኣይን ምስማዕን ዝሰአነት ምርቕቲ ሃርቨርድ ዩኒቨርሲቲ ሓበን ግርማ

Your browser doesn’t support HTML5

ምርኣይን ምስማዕን ዝተሰኣና ሓበን ግርማ ናይ ፈለማ ተመራቒት ዓውዲ ሕጊ ዩኒቨርስቲ ሃርቫርድ'ያ