መራሕቲ ሃገራት ዓለም ንዅላቶም ዘሰማምዖም ኣጀንዳን ኣጠማምታን ክረኽቡ ሳሕቲ’ዩ። ሕጂ ድማ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ተሓዊሱዎ፡ እቲ ዝነበረ ፍልልይ መሊሱ’ዩ ዓብዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ኔሩንድራ ሞዲ ግን ኲናት ዩክሬን ንኣጀንዳ ርክብ ጉጅለ-20 ክዕብልሎ ከም ዘይኰነ ይምጕት ኣሎ። መራሒ ህንዲ ቀዲሙ ዝጥምቶ ዘሎ ቍጠባ ሃገራት ደቡብ ንምዕባይ’ዩ።
ኲናት ዩክሬን ዝፈጠሮ ምምዝባል ቁጠባን ኣብ መስመራት ቀረብ ፈጢሩዎ ዘሎ ምምዝባዕን ህንዲ ቀዳምነት ክትህቦ ካብ እትደሊ ዛዕባታት’ዩ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ሲንጋፖር እትምህር ናዚያ ሑሴን፡ ህንዲ ነቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ቀንዲ መዘራረቢ ዛዕባ ዝኸውን ጂኦ-ፖለቲካዊ ክርክር ከተጕድሎ’ያ እትደሊ ዘላ። ኣብ ክንድኡ ድማ እቲ መሪሕ ኣጀንዳ ክኸውን እትሕልኖ ኣብ ውሕስነት መግቢ፡ ተሓዳሲ ጸዓት፡ ቀጻልነት ቀረባት ካልእ ተመሳሰልቲ፡ ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ዝጥምቱ ኣርእስታትን’ዮም ትብል።
መራሕቲ ሃገራት ሎሚ ዓርቢ ናብታ ሃገር ይኣትዉሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ዲፕሎማት ህንዲ፡ ኣብቲ ሓባራዊ መግለጺ ዝወጽእ ቋንቋ ኣብ ምትዕርራይን ምጽፋፍን’ዮም ይርከቡ።
ኣብ ኲናት ዩክሬን ዓቢ እጀታ ዘለወን ሩስያን ቻይናን ነቲ ኣቐዲሙ ዝቐረበ ንድፊ ነጺገንኦ ኣለዋ። እተን ክልተ ሃገራት ዘይተሰምማዓሉ ነጥቢ፡ “ኣባላት ሃገራት ጕጅለ 20 ነቲ ኲናት ዩክሬን ይዅንና፡” ዝብል መስመር’ዩ።
ሃገራት ኤውሮጳ ግን እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ኲናት ዩክሬን ዝተረረ መርገጺ ክወስድ ይምሕጸና ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሩሺ ሱናክ ካብቶም ንዝተረረ ኩናኔ እቲ ወራር ዝጽውዑ ዘለዉ’ዩ።
ተንተንቲ “እቲ ዋዕላ ብዘይ ሓባራዊ መግለጺ እንተተዛዚሙ ኣብቲ ጉጅለ ዘሎ ምክፍፋል ስለ ዘርኢ፡ ጽቡቕ ምስሊ ኣይክህብን’ዩ፡” ይብሉ።
ፕረዚደንት ባይቶ ኤውሮጳ ዝዀነ ቻርለስ ሚቸል፡ ሎሚ ዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ህንዲ ኣብቲ ሓባራዊ መግለጺ ኣብ ምውጻእ ተጠንቂቓ ክትሰርሕ ስለ ዝጸንሐት ዕድል ምሃባ ከም ዝድግፎ ይሕብር።
ንሱ ኣስዒቡ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዘካየደቶ ወራር ነብሳ ካብ ዓለም ስለ ዘግለለት፡ ቻይና ዝሓሸ ኣታዓራቒ ተራ ክትጻወት ተማሕጺኑ። ቻይና ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ከተኽብርን ነቲ መትከል ተማእዚዛ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘጋጠመ ወራር ዝግባእ ግብረ-መልሲ ክትህብን ግን ኣዘኻኺሩ።
ፕረዚደንት ዩክሬን ቪልድይመር ዘለንስኪ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ጕጅለ ኣብ ባሊ ኣብ ዝተጋብኣሉ እዋን ብቪድዮ መልእኽቱ የሕሊፉ ነይሩ። ሕጂ ግን ሞዲ ኣብ ዝመርሖ ዋዕላ ዩክሬን ከም ናይ ዓሚ ስፍራ ኣይክህልዋን’ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ፡ ጃስቲን ትሩዶ፡ ጉዳይ ዩክሬን ኣብቲ ዋዕላ እኹል ግዜ ክወሃቦ ምዃኑ ንፕረዚደንት ዩክሬን ተመባጺዑሉ ኣሎ።
ከም ኣገላልጻ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ከም ሓያሎ ንቻይናን ሩስያን ዝሓቘፈ ዓበይቲ ርክባት፡ እዚ ዋዕላ ኣብ ሓደ መረዳድኢ ዛዕባ ክበጽሕ’ዩ ዝብል ትጽቢት ውሑድ’ዩ።
መራሒ ቻይና ኣብዚ ዋዕላ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ’ዩ። ቀስ ብቐስ ድማ መራሕቲ ቻይና፡ ሩስያን ህንዲን እቲ ቀዲምም ዝሰርዑዎ ምትእኽኻብ ደምበ ብሪክስ እናዀነ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል።
ኣብዚ ኣብ መንጎ ዓራቒ ስፍራ እትሕዝ ህንዲ’ያ። ምስ ኣመሪካ ብዘለዋ ቅርበት፡ ምስ ምዕራብ ዘሎ ርክብ ክትበትኮ ኣይትመርጽን። ነዚ ዕድል ተጠቒማ ግን ጽልዋኣ ኣብ ክልቲኡ ደንበ ንምሕያል ክትሰርሕ’ያ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ፡ ገለ ካብቲ ዝፈጥሮ ዘሎ ምንቅስቓሳት መራሒ ደቡባዊ ደምበ ኴንካ ምውጻእ’ዩ። ኣፍሪቃ ሕብረት ኣብ ጕጅለ-20 ኣባልነት ክህሉዎ ኣሚሙ ኣሎ። እዚ ሓሳብ ኣመሪካ’ውን እትድግፎ’ዩ።
ኣመሪካ፡ ነቲ ህንዲ እትወስዶ ዘላ ኣንፈት ኣይትቃወሞን። ብሕልፊ እኳ መርገጺን ህንዲ ኣብ ጉዳያት ተሓዳሲ ጸዓት፡ ዓለማዊ ገንዘባዊ ልውውጥ፡ መርገጺ ኣብ ባንክ ዓለም ከምኡ’ውን ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ ገለ ካብቲ ኣመሪካን ህንዲን ዝሰማምዓሉ ነጥብታት’ዩ።
ሕጂ መሪሕነት ጕጅለ-20 ተረኪባ ዘላ ህንዲ፡ ንዝመጽእ ዓመት ብራዚል ክትከውን እንከላ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ኣብ 2025 ነቲ ጕጅለ ክትመርሖ’ያ።
ኣብ 1999 ዝተመስረት ጕጅለ-20 ኣብ ፈለማኡ ነቲ ዝርአ ዝነበረ ዓለማዊ ቍጠባዊ ሽግራት ንምግጣም’ዩ ቆይሙ። እንተዀነ ምስ ግዜ፡ ጆኦ-ፖለቲካዊ ምዕባለ ዓለም እቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ክሕዝ ጀሚሩ። ጕጅለ-20 ብቑጠባ ዝማዕበላ ሸውዓተ ሃገራት፡ ደምበ ኤውሮጳ፡ ቻይና፡ ሩስያን ይሓቁፍ።