ዋሽንግተን —
ኣብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ንናጽነት ሲኽ ዝቃለስ ኣምሪታል ሲን ኣብ ክፍለ-ሃገር ፑንጃብ ብዓብላሊ ድምጺ ተዓዊቱ። ወዲ 31 ዓመት ሲን ዝሓለፈ ዓመት’ዩ ኣማኢት ደገፍቱ ንመደበር ፖሊስ ድሕሪ ምውራሮም ኣብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑ ይርከብ።
ኣቦ ሲን፡ ኣብ ክንዲ ወዱ ኰይኑ ንደገድፍቱ ኣመስጊኑ ኣሎ።
ሲኽ ኣስታት 2% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህንዲ ዝውክሉ ኰይኖም፡ ካብ መንጎኦም ንምፍላይ ዝቃለሱን ሓያሎ ካብኣቶም ኣብ ካናዳ ብስደት ዝርከቡን ምስ ምምሕዳር ደልሂ ጽቡቕ ዝምድና የብሎምን።