ነበርቲ ጉራ ፈርዳ ሕጂ'ውን ኣብ ስግኣት ከምዘለው ይገልጹ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ሼኮ ወረዳ ጉራ ፈርዳ ግዳያት መጥቓዕቲ ዝኾኑ ነበርቲ ብመንነቶም ይጥቅዑ ከምዘለው ብምግላፅ ካብ መንበሪኦም ከምዝተምዛበሉ ተዛሪቦም።ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ሓዊሱ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ምስቲ ሕብረተሰብ ይመያየጡ ከምዘለው ብምሕባር ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ደጉ ኣንዳርጋቸው እቲ መጥቓዕቲ መንነት መሰረት ዝገበረ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዞባ ሼኮ ወረዳ ጉራ ፈርዳ ጣቢያ ጊንቃና ሾቢ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዝተብሃሉ ዕጡቓት ናይ ዝፈፀሙዎ መጥቓዕታት ግዳያት ዝኾኑ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ኣዚዮም ከምዝተጎድኡን ኣብ ስግኣት ከምዝርከቡን ገሊፆም።

ካብ ዝነብርሉ ከባቢ ሃዲሞም ኣብ ካሊ ከተማ ዘዕቖቡ ኣቶ ተዘራ ይማም በቲ መጥቓዕቲ ሓዎምን ሓፍቶምን ከምኡ እውን ኣርባዕተ ኣባላት ስድርኦምን ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ተዛሪቦም።

‘’ብዙሕ ስድራ እዩ ተመዛቢሉኒ።ብዙሕ ስድራ እዩ ተቐቲሉኒ’’ዝበሉንሶም ’’ብዓልቲ ቤተይን ደቀይን ኣምላኽእዩ ኣትሪፉዎም።እንተኾነ ንሕና እውን ከምዝተረፍና ኣይንወስዶን ንዝረኸቡዎ ጨፍጪፎም እዮም ኢሎም’’ ብምውሳኽ።

መንነቶም ክገልፁ ዘይደለዩ ካሊእ ነባራይ እቲ ከባቢ ካብቲ መጥቓዕቲ ሃዲሞም ኣብ ጀተና ቢፍትከምዝርከቡ ብምሕባር መንነቶም እናተፈለየ ተወለድቲ ኣምሓራ መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀሞምተዛሪቦም።

በቲ መጥቓዕቲ ካብ መንእሰይ ክሳብ ኣረጋዊያን፣ህፅናትን ኣዴታትን ከምዝተቐተሉ ብምግላፅ እኹል ሓይልታት ፀጥታ ናብቲ ከባቢ እንተደኣ ዘይተላኢኾም መጥቓዕቲ ከይፍፀሞም ኣብ ዝለዓለ ስግኣትወዲቕና ኣለና ኢሎም።

ብተኸታታሊ ክልተ ማዕልታት ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲታት 31 ሰባት ተቐቲሎም ሓሙሽተ ሰባት ቆሲሎምን ልዕሊ 1,500 ሰባት ድማ ተመዛቢሎም ኣለው።በቲ ገበን ዝተጠርጠሩ 16 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም ኣማሓዳሪ ናይቲ ዞባ ኣቶ ፍቅሬ ኣማን ገሊፆም።

እቲ መጥቓዕቲ ስዒቡ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣቶ ታገሰ ጫፎ፣ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ጀነራል ኣደም መሓመድ፣ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል እንዳሻው ጣሰው፣ናይ ሰላም ምንስቴር ድኤታ ፍሬኣለም ሽባባው፣ርእሰ ኣማሓዳሪ እቲ ክልል ኣቶ ርስቱ ይርዳውን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ ወረዳ ጉራ ፈርዳ ምስቲ ሕብረተሰብ ምይይጥ የካይዱ ከምዘለው ተፈሊጡ ኣሎ።

ብኻሊእ ወገን ምንስቴር ምንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው ህዝቢ ኣምሓራ ንፍትሒ፣ነፃነትን ሓቢርካ ንምንባርን ይቃለስ እንተሃለወ እውን ክሳብ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ሰላምን ፍትሕን ልዕልነት ሕግን ሰፊኑ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ሃገርና ብሰላም፣ብነፃነትን ደስታን ምንባር ዝኽእለላ ክትኸውን ኣይተኽኣለን ክብሉ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፆምገሊፆም።

ኣብ ክንድኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓሳረ መከራ እናበዝሐ ብዘስቅቕ ኩነታት ምጭፍጫፉን ብግፍዒ ምምዝባሉን ብሰፊሑ ቀፂሉ ኣሎ ኢሎም።

ካብ ጥቅምቲ ክሳብ ጥቅምቲ ኣብዘሎ ሓደ ዓመት ጥራሕ ብግልፂ ዝተዘረበና ግፍዕን መከራን ቀፂሉማእለያ ዘይብሉ ጭፍጨፋ፣ጃማልዊ ምምዝባል፣ ዕንወት ንብረትን በብሰሙኑ መርድእ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ ኢሎም ኣቶ ገዱ።

ስለዝኾነ እውን እቲ ጉዳይ ብስቕታ ምሕላፍ ጎዳኢ ምዃኑ ብግብሪ ንሪኦ ስለዘለና ይምልከተና በሃልቲብምሉእና ክንዘራረበሉ ይግባእ፣ኣብ ልዕሊ ኣምሓራይ ዝዓለመ ይፍፀም ዘሎ መጥቓዕቲ ብህዝቢ ከይኮነስ ብውዲት ውሑዳት ጉጅለታትን ወልቀሰባት ምዃኑ ብምርዳእ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓባር ከሰልፍ ዝኽእል ናይ ቃልሲ ኣንፈትን ስትራተጂያዊ ሸቶን ብምሕንፃፅ ብሓባር ምንቅስቓስ ግዜ ክወሃቦ የብሉን ኢሎም ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገዱ ኣንዳርጋቸው።።

ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።