ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ዝወጸ ሓድሽ ግምት ግብሪ ኣብ ሓደ ሓደ ከተማታት ኦሮምያ አብያተ ንግዲ ናይ ምዕጻው አድማ አለዓዒሉ’ሎ።
ዋሽንግተን —
ኣብ ከተማታት ወሊሶን አምቦን አብያተ ነግዲ ከምዝተዓጸውን አገልግሎት መጉዓዝያ ከምዝተቋረጸን ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም አለው።
አብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ካብ ነጋዶ አዲስ አበባ ክስማዕ ዝጸንሐ መረረ ናብ ክልል ኦሮምያ ዝሰገረ ይመስል።ሎሚ አብ ወሊሶን አምቦን ዝርከቡ አብያተ ንግዲ ሓድሽ ዝወጸ ግምት ዕለታዊ አታዊ ብምቅዋም አብያተ ንግዶም ናይ ምዕጻው አድማ ጌሮም ከምዝወዓሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።
Your browser doesn’t support HTML5
ሓድሽ ዝወጸ ግምት ዕለታዊ አታዊ አብያተ ንግዲ ናይ ምዕጻው አድማ ምልዓሉ ተገሊጹ