‘ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት’ ብዝብል ሽም ዝተጣየሸ ትካል

  • ገብረ ገብረመድህን

‘Human Rights First’ ወይድማ ‘ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት’ ብዝብል ሽም ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ ዘይመንገስታዊ ትካል ወይ ስቪክ ማሕበር ብሰብ ሙያ ሕጊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመስሪቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንኽረጋገፅን ኣብ ልዕሊ ውህዳን ዝፈፀም መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ንምሕላቕን ኣብ ቀረባ እዋን ሕጋዊ ኣፍልጦ ከምዝረኸበ ዝገለፁ ካብ መስረቲ ናይይቲ ትካል ኣቶ ተስፋኣለም በርሀን ኣቶ ኣበራ ንጉስን እዮም።

ክልቲኦም ክኢላታት ኣብ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ይሰርሑ ዝነበሩ ክኾኑ ከለው ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ውልቂ ኣማኸርቲ ሕጊ እዮም።

ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ይኹን ድምፆም ዘስምዕ ዘይብሎም ዝበሉዎም ክፋላት ማሕበረሰብ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ይፍፀም ከምዝፀንሐ ብምግላፅ እዚ ማሕበር ንከምዚኦም ዝበሉ ውሁዳን ክፋል ሕብረተሰብ ከምዝሕለቕ ሓቢሮም።

ኢሳት ዝተብሃለ መራኸቢ ብዙሃን ቅድሚ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ናይ ዘርኢ ምፅናት ኣዋጅ ስለዝኣወጀ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ነቲ ጉዳይ ክምርምሮ ንዓቃቢ ሕጊ ምሕታቶም ወሲኾም ገሊፆም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

'ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት' ስቪክ ማሕበረሰብ