ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብብልሽውና ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝአተዎ ሰባት 42 ምብጽሑ ተገሊጹ

  • ገብረ ገብረመድህን

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ጠቕላሊ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኣቶ ጌታቸው ኣምባየ

ኣብ ኢትዮጵያ ብብልሽውና ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝአተው ሰበስልጣን መንግስቲ፣ሰብ ሃብቲን ደለልትን ብዝሖም 42 ምብፅሑ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ጠቕላሊ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኣፍሊጦም።ኣብ ዝኾነ ይኹን ደረጃ ዝርከብ በዓል ስልጣን ካብ ተሓታትነት ኣየምልጥን ክብሉ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ጌታቸው ኣምባየ ገሊጾም።

ኣቶ ጌታቸው ኣምባየ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ብብልሽውና ዝተጠርጠሩ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝኣተው ብዝሖም ምውሳኹ ብዝምልከት ከምዚ ኢሎም።

“ኣብ ኣዲስ ኣበባን ፌደራልን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ሓሙሽተ ትካላት ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ’ሎ።ክሳብ ሕዚ ብገበን ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተውን ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዝተትሓዙን ብዝሖም ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ 32 ክኾኑ ከለው፣ብኣፈፃምነት ጉዳይን ድለላን ዝንቀሳቐሱ ሰለስተ ውልቀሰባት፣ሸውዓተ ሰብሃብትን ብድምሩ 42 ሰባት ተታሒዞም ኣብ ምርመራ ይርከቡ።”

ዝለዓለ በዓል ስልጣን መንግስቲ ብሚንስትርን ብሚንስትር ድኤታን ደረጃ ዘሎ ጥራሕ ኣይኮነን ዝለዓለ ናይ ምውሳን ብፅሒት ዘለዎምን ቢሮክራሲያዊ ጉዳያት ዝውስኑን ብዳይረክተሬት ደረጃ ዘለው እዮም ክብሉ ተታሒዞም ዘለው ዝለዓሉ ሰበስልጣናት ኣይኮኑ ንዝብል ርእይቶ’ውን ሂቦም ኣለው።ኣቶ ጌታቸው ቀጺሎም እንተኾነ ግን ኢሎም ንሶም ኣብ ገበን ዝተሳተፈ ዝኾነ ይኹን በዓል ስልጣን መንግስቲ ካብ ተሓታትነት ኣየምልጥን ኢሎም ።

ኣብ ዝሓለፈ ሶሉስ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ምውዓሎም ዝተገልፁ ሰበስልጣን መንግስቲ፣ሰብ ሃብትን ደለልትን ናብ ቤት ፍርዲ ፌደራል ምቕራቦምን ተወሳኺ ናይ 14 መዓልታት ናይ ምርመራ መዓልታት ከምዝተሓተቶምን ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብብልሽውና ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝአተዎ ሰባት 42 ምብጽሑ ተገሊጹ