ዋሽንግተን —
መራሒ ተቓለስቲ ኩርዳውን ዝዀነ ዓብደላ ኦጀላን፡ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ ንተቓለስቲ ኣብ ዝፈነዎ መልእኽቲ ንኣርባዓ ዓመታት ዝኸደ ቃልሲ ደው ከብሉ ጸዊዑ። እቲ ካብ 1999 ኣትሒዙ ኣብ ማእሰርቲ ቱርኪየ ዝርከብ መራሒ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኩርዲስታን ኣብ ሓጺር እዋን ጉባኤ ኣካዪዱ ቃልሱ ከኽትም ኣዘኻኺሩ።
ኦጀላን ኣብ መልእኽቱ፡ ምቕጻል ብረታዊ ቃልሲ ኣድላይነት ከም ዘይርኣዮን ድሕሪ’ቲ ኵሉ ዓመታት ድማ ውጽኢት ከም ዘይተረኽቦን ጠቒሱ።
እዚ ዜና ክሳብ ዝተዳለወሉ እዋን፡ ብዛዕባ’ዚ ካብ መንግስቲ ቱርኪየ ዝተዋህበ ወግዓዊ ምላሽ የሎን።
ኣብ መንጎ’ቶም ተቓለስቲ ሓያል ተሰማዕነት ከም ዘለዎ ዝግለጽ ኦጆላን፡ ብዘይካ ውሑዳት ጉጅለታት እቶም ዝበዝሑ ምኽሩ ሰሚዖም ከተግብሩ ከም ዝኽእሉ ኣሶሸይትድ ፕረስ ይገልጽ።
ወዲ 75 ዓመት ኦጀላን ንዝሓለፉ 26 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ እኳ እንተጸንሐ ገና ግን ብመብዛሕትኦም ተቓለስቲ ኩርዳውያን ከም መራሒ’ዩ ዝርአ።