ዋዕላ ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ ኣብ ዋሽንግተን፡ ብሪክስ ኣብ ካዛን ሩስያ

Your browser doesn’t support HTML5

ዋዕላ ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ ኣብ ዋሽንግተን፡ ብሪክስ ኣብ ካዛን ሩስያ

ኣስታት 10-ሽሕ መራሕቲ ፋይናንሳዊ ትካላት፡ ኣመሓደርቲ ባንክን ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ዝተረኽብሉ ጥሙር ዋዕላ ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ባንክ ዓለምን ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ይቃናዕ ኣሎ። እዚ ኣጋጣሚ ባንክ ዓለም ዝተመስረተሉ መበል 80 ዓመት’ውን ብምዃኑ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ይገብሮ።

እዚ ዋዕላ ብሓደ ወገን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኤስያ-ኤውሮጳን ኲናት ኣብ ዝካየደሉ፡ በቲ ካልእ ድማ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ኣብ ዝቀራረብሉ እዋን ስለ ዝዀነ፡ ክብደቱ ዓቢ’ዩ።

እዚ ዋዕላ ንኣፍሪቃ ዝህሉዎ ረብሓ፡ ብድምጺ ኣመሪካ ዝተሓተተ ፈጻሚት ስራሕ ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ ክሪታሊና ጂርጂየቫ ክትምልስ እንከላ፤ "ኣብ ኣፍሪቃ ዓቢ ዕድላትን ተኽእሎታትን ከም ዘሎ ኢና እንኣምን። ካልእ ክፋል ዓለም ኣብ ዝኣርገሉ ዘሎ፡ ኣፍሪቃ ግን ዝበዝሕ ህዝባ መንእሰይ’ዩ፡ ዓቢ ባህርያዊ ሃብቲ ድማ ኣለዋ። ሕጂ ድሕሪ’ዚ ቍጠባዊ ዝሓተለ፡ ኣብታ ኣህጉር ጽቡቕ ፖሊስ ሓንጺጸን ዝተዓወታ መላፍንቲ ሃገራት ኣለዋና። ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ ኣስታት 62 ቢልዮን ዶላር ዝኸውን ሓገዝ ገይሩ። እዚ ንሕውየት ለበዳ ኮቪድ19ን ዝሰዓበ ቍጠባዊ ቅልውላውን ንምሕጋዝ’ዩ። ሎሚ ኣብ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ 25 ፕሮግራማት ኣሎና። ኣፍሪቃ ኣብዚ ዘላቶ ጸገም ንምእታው ዝገብሮ ጌጋ ኣይነበረን። እኳ ደኣ እቲ ኣደራዕ ኣብ ልዕሊኣ’ዩ ወሪዱ። ስለዚ ከኣ ኢና ተወሳኺ ስራሕ ኣብታ ኣህጉር ክሕልው ንሰርሕ።”

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣብ ካልእ ኵርናዕ ዓለም፡ ኣብ ካዛን ሩስያ፡ መራሕቲ ደቡባዊ ደምበ ብሪክስ ይራኸቡ ኣለዉ። እዚ ብኣቦ-መንበርነት ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ብሪክስ፡ ንመስረትቲ ኣባላትን ሓደስቲን ዝጸንበረ’ዩ። ኣብዚ ደንበ ዝተጸንበረት ኢትዮጵያ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ልኡኽ ሒዛ ትሳተፍ ኣላ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ከም ዝሰፈሮ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዋዕላ ብሪክስ ብድምሩ 36 ሃገራት ክሳተፋ እንከለዋ፡ 20 ካብ መንጎኦም መራሕቲ ሃገራት’ዮም።

ንሰለስተ መዓልታት ዝቕጽል ዋዕላ ብሪክስ፡ ፑቲን፡ ኣመሪካ እትመርሖ ደምበ ምዕራብ ንሩስያ ንምንጻል ዝግበሮ ጻዕሪ ከም ዘይተዓወተ ዘመስክረሉ ኣጋጣሚ’ዩ ክብሉ መራሕቲ ሩስያ ይገልጹ። ኣማኻሪ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሩስያ ነቲ ምትእኽኻብ “ዝዓበየ ናይ ደገ መራሕቲ ዝተረኽብሉ ንፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ዝምልከት ዋዕላ፡” ክብል ገሊጹዎ።

ፈለማ ንሩስያ፡ ህንዲ፡ ቻይና፡ ብራዚልን ደቡብ ኣፍሪቃን ሒዙ ዝተበገሰ ሕብረት ብሪክስ ድሒሩ እናዓበየ ንኸም ኢትዮጵያ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኢራን፡ ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብን ካልኦትን ጸንቢሩ’ዩ። ድሕሪኡ ድማ ቱርኪየ፡ ኣዘርባጃንን ማለዥያን ኣብቲ ደንበ ንምንጽባር ድሌት ኣርእየን ወግዓዊ ኣባልነት ሓቲተን ኣለዋ።

ፑቲን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ኔራንድራ ሞዲ፡ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግንን ዝርከቡዎም ተወኪልቲ 20 ሃገራት ብውልቂን ብሓባርን ክራኸብ ምዃኑ መደብ ሒዙ ኣሎ። ድሕሪ ኲናት ዩክሬን ንፈለማ እዋን ናብ ሩስያ ዝጓዓዝ ዘሎ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ’ውን ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ንሓሙስ ክራኸብ መደብ ሒዙ ከም ዘሎ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ብሃገራት ደምበ ደቡብ ዝቖመ ደምበ ብሪክስ ነቲ ብሃገራት ምዕራብ ኣብ ዕዳጋን ፋይናንሳዊ ምንቅስቓስን ዘሎ ዕብለላ ንምግጣም ዓሊሙ ዝሰርሕ’ዩ። ካብ መንጎ’ቶም ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዋዕላ መዘራረበቲ ኣጀንዳ ዝዀኑ፡ ንዓለማዊ ኣገባብ ምስግጋር ገንዘብ ኣማራጺ ምፍጣር ይርከቦ። እዚ ብ”ስዊፍት” (SWIFT) ዝብል ኣገባብ ዝጽዋዕ ምእኩል ኣገባብ ምስግጋር ገንዘብ፡ ብሃገራት ምዕራብ እገዳ ዝተገብረለን ሃገራት ከም ሩስያ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስለ ዝኸውን፡ ሩስያ ካልእ ኣማራጺ ንምፍጣር መደብ ሓንጺጻ ንዘተ ኣብዚ ዋዕላ ከተቕርቦ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።