ማዕከን ገንዘብ ዓለም ቁጠባ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምርግጋእ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ

  • ዜና ቪኦኤ

ማዕከን ገንዘብ ዓለም፡ ቁጠባዊ ኩነታተን ንምርግጋእ ምስ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ይሰርሕ ኣለኹ ይብል። ወሃቢት ቃል እቲ ማዕከን ጁሊ ኮዛክ ትማሊ ሓሙስ ንሪፖርተራት ክትገልጽ ከላ፡ ካብ መንጎ`ተን ገንዘብ ዝሓታ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ጋና ናይ 3-ቢልየን ለቓሕ ሓቲታ ከም ዘላ ኣፍሊጣ። እንተኾነ ንክፍቀደላ እቲ ዘለዋ ናይ 47-ቢልየን ዶላር ዕዳ ብኸመይ ከምተመሓድሮ ክርኣይ ምዃኑ ትካል ገንዘብ ዓለም (ኣይ.ኤም.ኤፍ) ኣፍሊጡ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ትካል ገንዘብ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ መንግስትን ናይ ክልል ትግራይ ተቓወምቲን ድሕሪ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም፡ ምስ ማዕከን ገንዘብ ንዝግበር ስምምዕ ዓብይ ተስፋ ሂቡ`ሎ ይብል።

ወሃቢት ቃል ማዕከን ገንዘብ ዓለም “ኣብ ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላም ንንምስፋን ዝርአ ዘሎ ገስጋስን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ይኣቱ ምህላዉን ዘተባብዕ`ዩ ዝበለ ኣይ.ኤም.ኤፍ፡ ንኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ኣብ ዝርርብ ንርከብ። ገንዘባዊ ሓገዝ ተሓቲትና ኣለና፡ ነቲ ኣብ መስርሕ ኣብ ምስላጥ ድማ ንሰርሕ ኣለና" ኢላ።