ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ኢትዮጵያን ንዝወሃብ ልቃሕ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ በጺሖም

  • ዜና ቪኦኤ

ሚንስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያን ወኪል ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ - ፋይል

ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ኢትዮጵያን፣ ነቲ 3.4 ቢልዮን ዳለር ልቃሕ አብ ፈላማይ ምግምጋም ከምዝተሰማምዑ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ናይ’ቲ ገምጋም ምዝዛም፣ ኢትዮጵያ 345 ሚልዮን ዳለር ንክወሃባ ዘሕግዝ እዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ጥቅሉል ገንዘብ ቅድሚ ምውሃቡ፣ ሓለፍቲ ትካል ዓለምለኸ ገንዘብ ዓለምን ቦርድን ከጽድቅዎ ኣለዎም።

ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ውሳነ ንኢድዎ ኣሎ።