ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ምዝመዛ ጉልበት ብ10 ሚእታዊት እንተነከየ’ዃ ግዱድ ስራሕን ምዝመዛ ጉልበት ህፃናት ንምንካይ ካብኡ ሓሊፉ እውን ንምውጋድ ክብ ዝበለ ፃዕሪ ይደልይ ኣሎ ተባሂሉ።ኣብ ኢትዮጵያ እውን እቲ ፀገም ምሉእ ብምሉእ ኣይተወገደን ክብሉ ሚኒስትር ሰራሕተኛታትን ማሕበራዊ ጉዳያትን ኣቶ ዓብዱልፈታሕ ዓብዱላሂ ኣፍሊጦም።
ኣዲስ ኣበባ —
ሎሚ ኣብ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ብሸነክ ደቡብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርኸባ ሃገራት ንዘሎ ምዝመዛ ጉልበት ቆልዑን ግዱድ ስራሕን ብዝምልከት ኣብ ዝዝትይ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኼባ ናይ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ’ቶም ሚኒስተር ሰራሕተኛታትን ማሕበራዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ አቶ ዓብዱልፈታሕ ዓብዱላሂ ካብ ግዱድ ስራሕ ዓለም ካብ ዓለምለኸ ትካል ሰራሕተኛታትን ዝተረኽበ ሓበሬታ ብምጥቃስ ኣብ ኣፍሪቃ 3.7 ሚልዮን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑትን ግዳያት ግዱድ ስራሕን ምዝመዛ ጉልበትን እዮም ኢሎም።
ካብ 5-17 ዓመት ዝዕድሚኦም 58 ሚልዮን ቆልዑ ኸአ ምዝመዛ ጉልበት ይፍጸሞም ኢሎም።
ንሶም ብምቅጻል ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ምዝመዛ ጉልበት ቆልዑ ብ10 ሚእታዊት ጎዲሉ’ዩ ግን ጉልበት ምዝመዛ ቆልዑ ንምንካይ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንምውጋድ ዝያዳ ስራሕ የድልይ ኢሎም።
Your browser doesn’t support HTML5