ንትግባረ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ዝዓለመ ዋዕላ ሃገራት ኢጋድ ኣብ አዲስ አበባ ተቓኒዑ

Your browser doesn’t support HTML5

ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ንክትግበር ድፍኢት ንምግባር ዝዓለመ ዋዕላ ሃገራት ኢጋድ ትማሊ ኣብ አዲስ አበባ ተኻይዱ። እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ክሰፍን መሰረት ክኸውን ይግባእ ክብሉ አቦ መንበር ኢጋድ ቀ.ሚንስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊጾም። ኣሜሪካ ብወገና እቲ ስምምዕ ሰላም ክትግበርን፡ ነዚ ንምዕንቓፍ ንዝሰርሑ ድማ ስጉምቲ ከምትወስድ ኣፍሊጣ’ላ።