▶ኢጋድ ፍሉይ ርክብ የቃንዕ፡ ሓያሎ ወገናት ኣብ ስምምዕ መዘከር ዘለዎም ተቓውሞ የስምዑ

Your browser doesn’t support HTML5

ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ጉዳይ ሶማልን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ክልቲኣን ሃገራት ፍልልያተን ኣጽቢበን ብዘተ ክፈትሓ ድሕሪ ምጽዋዕ፡ “ኣዲስ ኣበባ ነቲ ስምምዕ መዘከር እንተዘይሰሪዛ፡ ንዘተ ዝኸውን ቦታ የለን፡” ክትብል ሶማል ምላሽ ሂባ'ላ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “እቲ ስምምዕ መዘከር ንልኡላውነት ሶማል ስለ ዝጥሕስ፡ ንሱ ውዱቕ ከይኰነ ንዝርርብ ድሉዋት ኣይኰንና፡” ኢሉ።