ሶማል፡ ሰራሕተኛ ቀይሕ መስቀል ዝኾነት ነርስ ተጨውያ

Your browser doesn’t support HTML5

ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ሓደ ካብ ናይቲ ትካል ሰራሕተኛታት ዝኾነት ነርስ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ከተማ ሞቃዲሾ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ምጭዋያ ገሊጹ። ዕጡቓት ጉጅለ ናብ ቤት ጽሕፈት’ቲ ትካል ብምእታው ነታ ነርስ ምጭዋዮም ተፈሊጡ’ሎ።