መንግስቲ ኬንያ ቀንዲ ሰነዳት ንኸይንረክብ ከልኪሉና ኢሎም ዓቀብቲ ሕጊ ICC

Wakil PM Kenya, Uhuru Kenyatta (kiri) dan anggota parlemen William Ruto didakwa melakukan kejahatan kemanusiaan oleh ICC (foto: dok).

ዓቀብቲ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን /ICC/ መንግስቲ ኬንያ ቁልፊ ሰነዳት ንምርካብ ንእንገብሮ ፃዕሪ ኸልኪሉና ኢሎም ሎማዕንቲ ረቡዕ ድሕሪ ምኽሳሶም ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ናይ ምቕራብ ዕድሎም ዝሓቅቕ ዘሎ ይመስል።

ሎማዕንቲ ረቡዕ ዘ ሄግ ኣብዝርከብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ዓቃቢ ሕጊ ቤንጃሚን ጋምበፐርት ጉጅልኦም ንናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ኣዳቒቑ ከምዝመርመረ ገሊፆም።ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ምርጫ ስዒቡ ብዝተልዓለ ህውከት ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ህይወት ኣብ ዘጥፍአ ህውከት ኬንያታ ብገንዘብ ኣብ ምሕጋዝ ዝነብሮም ታራ ንምፍላጥ ሓጋዚ ኢሎም ዝጠርጠርዎ ናይ ኡሁሩ ኬንያታ ፋይናንሳዊ መዝገባት ንምርካብ ዝገበሩዎም ፃዕርታት መንግስቲ ኬንያ ዓፅዩና ኢሎም።
ኣስዒቦም ‘’ዝተዛረብናሎም ፋይናንሳዊ መዛግብቲ ከይሓዝና ዘየማትእ መርትዖ ናይ ምቕራብ ዕድሉ ዝንኣሰ ምዃኑ ኢና ወሲና’’ኢሎም።

ፕሬዝዳንት ኬንያታን ምኽትሎም ዊሊያም ሩቶን ብፀረ ሰብኣውነት ገበናት ተኸሲሶም ይርከቡ።

ከቐፅል ዘኽእል መርትዖ ከምዝሓፀሮ ዓቃቢ ሕጊ ICC ኣሚኑ’ሎ።መሰኻኽር ጉቦ ከምዝተውሃቦም፣ምፍርራሕ ከምዝበፅሖምን ክልተ ቀንዲ መሰኻኽር ድማ ከምዝገደፉዎን እቲ ዓቃቢ ሕጊ ይሕብር።

ኣብ ጉዳይ ኬንያታ ጥራሕ ከይኮነስ ንቶም ኽስታት ዘጠናኽሩ ናይ ቴሌፎ መዛግብቲ ንምርካብ ዝገበርዎም ፃዕርታት መንግስቲ ኬንያ ኣይተሓባበረናን ክብሉ ወሲኾም ይዛረቡ።
ናይ ፕሬዝዳንት ኬንያታ ጠበቓ ስቲቨን ኬይ ግን ኣብ ልዕሊ እቶም ፕሬዝዳንት ዝቐረበ ኽሲ ኣብ ሓሶት ዝተመስረተ ስለዝኾነ በርዒኑ እዩ ይብሉ።

ICC ኣብ ልዕሊ ኬንያታን ሩቶን ንዘቕረቦም ኽስታት ንኣፍሪካዊያን ኣኾሪዩ እዩ።
ጠብቓ ኬንያዊያን ግዳያት ዝኾኑ ፌርጋል ገይነር ግን ኣብ ልዕሊ ፕሬዝዳንት ኬንያታ ዝቐረቡ ኽስታት ምቁራፅ ማለት ICC ኣብ ኬንያ ይኹን ኣብ ካሊእ ከብባኢ ፍትሒ ክህብ እዩ ንዝብል ተስፋ ዘቕህም እዩ ይብሉ።

ጠበቓታት ኬንያታ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረቡ ኽስታት ንኽነፅጎ ነቲ ቤት ፍርዲ ሓቲቶም ኣለው።ሎማዕንቲ ረቡዕ ዝተጋብኡ ዳኛታት እቲ ቤት ፍርዲ ግን ንሕቶታት ዓቃቢ ሕግን ተኸላኸልትን መልሲ ኣይሃቡሉን።