ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ናብ ዲ/ሪ/ኮንጎ ይበጽሑ

ዓቃቢ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ካሪም ካን ሎሚ ሰሉስ ናብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ

ዓቃቢ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ካሪም ካን ሎሚ ሰሉስ ናብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ምብጽሖም ቤት ፅሕፈቶም ምሕባሩ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ፀብጺቡ።

ካን ናብ ርእሰ ከተማ ኮንጎ ኪንሻሳ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ “ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ኮንጎ ይረኣዩ ብዘለዉ ምዕባለታት ዓብይ ስኽፍታ ኣለና። ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ድማ ኣዝዩ ዝኸፍአ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና” ኢሎም።

ካን ኣብ ናይ ኮንጎ ጻንሒቶም ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ፌሊክስ ትሺሰካዲ፣ ሚንስትራት መንግስትን ወኪል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ቢንቱ ኬይታን ከምኡ’ውን ምስ ግዳያትን እቲ ጎንፅን ሲቪላውያን ማሕበራትን ክራኸቡ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ፈለማ ስርሑ ምስ ጀመረ ፈላማይ መርመርኡ ንጉዳይ ኮንጎ ዝምልከት ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ካብቲ እዋን ጀሚሩ እቲ ቤት ፍርዲ ዛጊት ኣብታ ሃገር ንሰለስተ ሰባት ገበነኛታት ክብል ፍርዲ ሂቡ'ሎ።