ክልል ትግራይ፡ ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ብሰንኪ ጥምየት 111 ሰባት ምሟቶም ምምሕዳር'ቲ ወረዳ ሓቢሩ
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ኣፅቢ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ብሰንኪ ጥምየት 111 ሰባት ህይወቶም ምሕላፉ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ዓውዲ ቁጠባ እታ ወረዳ ኣይተ ብርሃነ ገብረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ኣብቲ ወረዳ እኹል ዝናብ ብዘይምዝናቡ ልዕሊ 82-ሽሕ ህዝቢ ንጥምየት ተሳጢሑ ክብሉ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።