ኢትዮጵያ፤ መንግስቲ ሓገዝ መግቢ ናብ ክልል ትግራይ ምልኣኽ ምጅማሩ ተገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 126-ሽሕ ኩንታል ሓገዝ መግቢ ናብ ክልል ትግራይ ምልኣኽ ምጅማሩ ኮምሽን ሓደጋ ስግኣት ኣመራርሓ እቲ ክልል ገሊፁ፡፡ እዚ ሓገዝ ን745- ሽሕ ተመዛበልቲ ዝውዕል እዩ ተባሂሉ'ሎ፡፡ ዳይሬክተር ቅድመ መጠንቀቕታ እቲ ኮምሽን ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ኣረጋዊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ብዝነበረ ሕፅረት ዝናብ ኣብ 23 ወረዳታት ድርቂ ከምዘጋጠመ ሓቢሮም፡፡