ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ማይ ካድራ ዝኾኑ ወለዲ ደቅና ብደለለቲ ይውሰዱ ኣለው ይብሉ

  • ገብረ ገብረመድህን
ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ማይ ካድራ ዝኾኑ ወለዲ መንግስቲ እኹል ሓለዋን ምክትታልን ስለዘይገብር ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ደቂ ሰባት ንደቅና ይውሰዱዎም ኣለው ኢሎም።እቶም ብደለልቲ ናብ ሱዳን ዝውሰዱ ዘለው ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ምዃኖም ቪኦኤ ዘዘራረቦም ሰለስተ ወለዲ ገሊፆም።

ብዕለት 28 መጋቢት 2008 ዓ.ም ጥራሕ 29 መንእሰያት ካብታ ከተማ ከምዝተወስዱዎም ወ/ሮ ኣዝመራ ታደሰ፣ኣቶ ገብረሃንስ ሃይለን ኣቶ መሰለ ገብረሚካኤልን ገሊፆም። '20 ዓመት ዝዕድሚኡ ወደይ ምሩፅ ሃብቱ ኣብታ ዕለት ብደላሎ ተወሲዱ ወፂኡ ተሪፉ' ይብላ ወ/ሮ ኣዝመራ ታደሰ።

ሰለስቲኦም ወለዲ መንግስቲ ግቡእ ሓለዋን ቁፅፅርን ስለዘይገበረ ደላሎ ንመንእሰያት እናወደቡ ናብ ሱዳን ይወስዱዎም ኣለው ኢሎም።

ናብ ጀርመንን ጣሊያንን ክንወስደኩም ኢና ኢሎም ደላሎ ኣታሊሎምኒ ዝበለና ወዲ 19 ዓመትን ተማሃራይ 10ይ ክፍሊ ሓድሽ ተኽላይ እዩ።ንሱ ሓዊሱ ኣርባዕተ መንእስሰያት ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ካብ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ዓዲ ጎሹ ናብ ሱዳን ከምዝተወስዱን ካልኦት ደላሎ ተቐቢሎምዎም ብዙሕ ስቓይ ከምዝበፅሖምን ይገልፅ። ‘ገንዘብ እንተድኣ ዘይከፊልኩም ሓሪዶም ኩሊትኩም ንዝሸጡ ራሻይዳ ክንሸጠኩም ኢና’ ይብሉና ይብል።ብከምኡ ንራሻይዳ ዝተውሃቡ ከምዘለው እውን ወሲኹ ሓቢሩ።ኣብ መወዳእታ ግን ወለዱ ንቶም ደላሎ 40 ሽሕ ብር ከፊሎምሉ ካብ ሱዳን ናብ ዓዲ ተመሊሱ’ሎ።

ደቆም ዝተወስዱዎም ቀንዲ መራሒ እቶም ደላሎ እዩ ዝበሉዎም ብርሃነ ኣሸብር ዝተብሃለ ሰብ ናብ ሱዳን ስልኪ ደዊለ ከም ጋዜጠኛ ከይኮንኩስ ካብቶም ዝተወስዱ መንእሰይ ናይቲ ሓደ ሽም ጠቒሰ ምስ ሓተትኩዎም ‘እቶም ወለዲ ቴሌፎን እናደወሉ ባዕሎም ዘረባ ኣውዓዊዖም፤ንዝኸደ ሓደ ሰብ መፍትሒ ኢኻ ትደሊ እምበር እቶም ደላሎ እውን ክሰግኡ ይኽእሉ እዮም’ ክብል ምስቶም ደለልቲ ርክብ ዘለዎም ምዃኑ ብተዘዋዋሪ ኣረጋጊፁለይ እዩ።

ብዛዕባ እቲ ዝተበሃለ በብደረጅኡ ካብ ዝርከቡ ኣካላት ምምሕዳርን ፀጥታን ርእይቶን መብርህን ኣይተረኽበን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ማይ ካድራ ዝኾኑ ወለዲ ደቅና ብደለለቲ ይውሰዱ ኣለው ይብሉ