ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብሪጣንያ ንዝመደበቶን ባይቶ ዝደገፎን ምግዓዝ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ይነቕፉ

Your browser doesn’t support HTML5

ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ሪሽ ሱናክ፡ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ፥ ኣብ ውሽጢ 10 ወይ 12 ሰሙናት ናብ ርዋንዳ ክልእኾም ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ። ፓርላማ ብሪጣንያ `ውን ነቲ መደቡ ኣጽዲቖምሉ ኣለዉ። ብሸነኽ መንግስቲ ርዋንዳ`ውን ነቶም ስደተኛታት ንምቕባል ድልው ምህላዉ ሓቢሩ`ሎ። እንተኾነ እቲ ስጉምቲ ካብ ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ተሓለቕቲ ስደተኛታትን ተሪር ዝኾነ ነቐፌታን ተቓውሞን ገጢምዎ`ሎ።