ሱዳን ንኤርትራዊያን ጠሪዛ፣በዝሒ ሓተቲ ዕቁባ ኣብ ሆላንድ ኣዘራራቢ ኮይኑ

Eritrea - Sudan

ሱዳን ብUNHCR ዝተመዝገቡ ሽዱሽተ ስደተኛታት ዝርከብዎም 30 ኤርትራዊያን ከምዝጠረዘት ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ Human Rights Watch ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ትካል ዳይረክተር ፕሮግራም መሰል ስደተኛታት ቢል ፍረሊክ እቶም ኤርትራዊያን ኣብ መጀመሪያ ለካቲት ኣብ ዶብ ሊቢያ ብሓይልታት ፀጥታ ሱዳን ዝተትሓዙ እዮም።ተኣሲሮም ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ መጀመሪያ እዚ ወርሒ ናብ ኤርትራ ተጠሪዞም ክብሉ ንመሳርሕትና ተወልደ ወልደገብኤል ገሊፆምሉ ኣለው።ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ሆላንድ ኣብዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ጥራሕ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኤርትራዊያን ዑቕባ ምሕታቶም ኣብታ ሃገር ምግራምን ስንባድን ከምዝፈጠረን ዝምልከቶ ምንስቴር ናብ ፓርላማ እታ ሃገር ደብዳበ ክፅሕፍ ከምዝደረኾን ተገሊፁ።

ኣብ ኔዘርላንድስ ኣብ ሚዲያ እታ ሃገር ዝሰርሕ ኣቶ ሃብቶም ዮሃንስ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ከምዝሓበሮ እዚ ኣብታ ሃገር ከም ዓብዪ ዜና የዘራርብ ከምዘሎ ሓቢሩ።ቁፅሪ ኤርትራዊያን ስድተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሆላንድ ኣትዮም ዑቕባ ዝሓተቱ 986 ምንባሮም’ውን ሃብቶም ዮሃንስ ንምንያ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሃቦ ቃለ ምጠይቕ ገሊፁ።

Your browser doesn’t support HTML5

ዝተዋደደ ሪፖርት ቀሪቡ‘ሎ