መጥቃዕትታት ሰራዊት ቡርኪናፋሶ ንዓሰርተታት ሲቪላት ምቕታሉ ሁማን ራይትስ ዎች ሓቢሩ

  • ዜና ቪኦኤ

ሰራዊት ቡርኪናፋሶ ብመጥቓዕትታት ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ(ድሮን) ብውሑዱ ን60 ሰባት ከምዝቐተለ ሁማን ራይትስ ዎች ከሲሱ።መንግስቲ ግን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ጅሃዳዊያን ተዋጋእቲ ከምዝኾነ ይገልጽ።

እቲ መጥቃዕቲ ካብ ነሓሰ ኣትሒዙ ብሰለስተ ወታሃደራዊ ድሮናት ዝተፈፀመ ክኸውን ከሎ እቲ ክልተ መጥቓዕትታት ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ዕዳጋን ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ከምዝተፈፀመ ሁማን ራይትስ ዎች ገሊፁ።

ድሕሪ ናይ 2022 ዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዘ ወታሃደራዊ መራሒ ቡርኪኖፋሶ ሻምበል ኢብራሂም ትራዎረ ነቶም ምስ ኣል-ቓይዳን ዳዕሽን ምትእስሳር ዘለዎም ጉጅለታት ተሪር ግብረ መልሲ ኣብ ምሃብ ጠመተ ገይሩ'ሎ።

እቲ ጉጅለ ተሓላቒ መሰላት ካብ መስከረም ክሳብ ሕዳር ኣብ ዘሎ እዋን ምስ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ መሰኻኽር ዓይኒ ቃለ -መሕትት ከምዘካየደን፣ ንምስልታት፣ ቪዲዮታትን ምስልታት ሳተላይትን ከምዝረኣየ'ውን ሓቢሩ።ኣብ ኒው-ዮርክ ዝመደበሩ ጉጅለ ተሓላቒ መሰላት ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ "ሰራዊት ቡርኪናፋሶ ብብዝሒ ንዝተኣከቡ ሰባት ንምጥቓዕ ኣብ ኢዱ ካብ ዘለው እቶም ዕላምኦም ዘይስሕቱ ኣፅዋራት ብምጥቓም ንሕግታት ኲናት ብምጥሓስ ንሓያሎ ስቪላት ቀቲሉ’’ ይብል።

ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ፀብፃቡ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ ነቶም ተፈፂሞም ዝተባህሉ ገበናት ኲናት ብቕልጡፍን ብዘይኣድልዎን ክምርምሮን ፈፅምቱ ተሓተቲ ክገብሮምን ከምኡ እውን ንግዳያትን ስድርኦምን እኹል ደገፍ ክገብረሎምን ኣለዎ ኢሉ።