መጥቃዕታት ሑቲ፡ ንመጓዓዝያ መራኽብ ቀይሕ-ባሕሪ፡ ብኸመይ ይጸልዎ?

ፋይል

ብኢራን ዝድገፉ ተቓለስቲ ሑቲ የመን፡ ድሕሪ ምጅማር ኲናት እስራኤልን ሓማስን፡ ብቐይሕ-ባሕሪ ንዝሓልፋ መራኽብ ኣብ ምጥቃዕ ይርከቡ። እዚ ተርእዮ’ዚ በቲ መስመር ንዝሓልፍ እኽሊ፡ ነዳዲ፡ ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ኣብ ምትዕንቓፍ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ምብኳር ተራ ከይጻወት ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።

መትረብ ስውጽ ኣስታት 10% ንግዳዊ ልውውጥ ዓለም ዝሓልፈሉ ምዃኑ ይንገር። ተቓለስቲ ሑቲ እምበኣር ኣብዚ መስመር’ዚ ንዝሓልፋ መራኽብ ዒላማ ይግበሩ ስለ ዘለዉ ኣሻቓሊ ኰይኑ ኣሎ። ፈለማ ንመራኽብ እስራኤል የጥቅዑ ነይሮም። ድሒሩ ግን ብኖርወይ እትውንን መርከብ ነዳዲ ምስ ሃረሙ፡ ሓድሽ ስግኣት ኣስዒቡ ኣሎ።

ኣብ 2014 ንርእሰ-ከተማ ሰንዓ ዝተቖጻጸሩ ተቓለስቲ ሑቲ፡ ኣቐዲሞም ቀንዲ ዕላማኦም ምስ ስዑዲ ዓረብ ምትሕሓዝ ዘለወን መራኽብ’ዮም ነይሮም። ሕጂ ድሕሪ ምጅማር ኲናት እስራኤልን ሓማስን ግን ብድሮን ተጠቒሞም ንመራኽብ እስራኤል ከጥቅዑ ጀሚሮም ኣለው።

ካብ መንጎ’ቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ፡ ሓደ እዋን ብሄሊኮፕተር ተጠቒሞም’ውን ሰራሕተኛታት መርከብ እስራኤል ንምጭዋይ ከም ዝፈተኑ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ የመልክት።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ድማ እቶም ተቓለስቲ፡ በቲ መስመር ንዝሓልፋ መራኽብ ነዳዲ ናብኣቶም ክጽግዓ ብመንገዲ መራኸቢ ሬድዮ ክሓቱ ጀሚሮም ኣለዉ። ኤውሮጳዊ ሕብረት በዚ ተርእዮ ኣዝዩ ስለ ዝተሻቐለ፡ ትማሊ መግለጺ ሂቡ ነይሩ። እቲ ሕብረት ኣብ መግለጺኡ፡ “እቲ ተርእዮ ፍጹም ዘይቅብሉን ኣሻቓሊን’ዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ንዓለማዊ መስመር ባሕርን ማያትን ዘተዓናቕፍ’ዩ፡” ክብል ገሊጹ።

መስመር ቀይሕ-ባሕሪ፡ ምስ መትረብ ስወጽ ተላጊቡ፡ ካብ ወሽመጥ ባብኤል መንደብ ናብ ወሽመጥ ዓደን ዝኸዳ መራኽብ ዘሕልፍ ኣዝዩ ዕሙር መስመር ምዃኑ’ዩ። ካብ ኤስያ ናብ ኤውሮጳ ዝኣቱ ንብረት በዚ መስመር’ዚ ኣቢሉ ዝሓልፍ ምዃኑ ኣዝዩ ኣገዳሲ መስመር ይግበሮ።

ብመስመር ቀይሕ-ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዋ መራኽብ ጽዕነት ከም ነዳዲ ዘይቲ፡ ዘይቲ ብልዒን ካልእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጥረ-ነገራት ሒዘን ይጓዓዛ።

ድሕሪ ምጅማር ኲናት እስራኤል-ሓማስ፡ ብጸጥታ እቲ መስመር ዝሰግኣ መራኽብ እስራኤል ኣዝዩ ነዊሕ መንገዲ ክወስዳ ይግደዳ ኣለዋ። እዘን መራኽብ ነቲ ልሙድ መስመር ገዲፈን ብደቡብ ኣፍሪቃ ብመንገዲ ጽንፊ ጽቡቕ ተስፋ ኣቢለን ክጓዓዛ ተገዲደን ኣለዋ። በዚ ምኽንያት ድማ 19 መዓልታት ዝወስድ ዝነበረ ጕዕዞ ናብ 31 መዓልታት ተናዊሑ ኣሎ። እዚ ተደማሚሩ ወጻኢታት ስለ ዝውስኽ፡ ብእኡ መጠን ድማ ዋጋታት መሸጣን ጥረ-ነገራትን ክውስኽ ድፍኢት ይገብር ኣሎ።

ኲናት እስራኤል-ሓማስ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ዋጋ ኢንሹራንስ(መድሕን) በቲ መስመር ዝሓልፋ መራኽብ ወሲኹ ኣሎ። ብሕልፊ’ኳ ኣብ መራኽብ እስራኤል ዋጋ ኢንሹራንስ ኣብ ገሊኡ ክሳብ 250% ዓብዩ ኣሎ።

ምስ ስእነት ምርግጋእ እቲ ማያዊ መስመር፡ ዋጋታት ኢንሹራንስ መራኽብ ክዓቢ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ውጽኢቱ ድማ ኣብቶም ተጠቀምቲ ኣሉታዊ ጽልዋ ምዃኑ ርድኡ’ዩ።

ክኢላታት መጓዓዝያ ባሕሪ፡ እቶም ተቓለስቲ ነቲ መስመር ክዓጽዉ ዓቕሚ ከም ዘይብሎም ይሕብሩ። መራኽብ ኣመሪካ፡ ፈረንሳን ካልኦት ሃገራት ንድሕነት እቲ ማያዊ መስመር ብቐረባ ይከታተሉ’ዮም። እንተዀነ ነቲ ካብ ኤውሮጳን ኤስያን በቲ መስመር ንዝጓዓዝ ንብረት ኣብ ምትዕንቓፍን ስክፍታት ኣብ ምፍጣርን ዝዓበየ ተርእዮ ከም ዘለዎም ርዱእ ኰይኑ ኣሎ።