ኣብ ዞባ ሆሮ ጉድሩ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ 13 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ዞባ ሆሮ ጉድሩ፣ ወረዳ ዶንጎሮ፣ ብሰንኪ ዕጡቃት ፈጺሞሞ ዝተባህለ መጥቃዕቲ፣ ብውሑድ 13 ከምዝሞቱ፣ አመሓዳሪ’ቲ ወረዳ ገሊጹ።

ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ኣቶ ከተማ ዋቁማ ‘ኣብ ሓንቲ መኪና ተሳፊሮም ናብ ዕዳጋ ይኸዱ ዝነበሩ ሰባት፣ መጥቃዕቲ ተፈጺሙዎም ኣሎ፣ ብሰንኪ’ቲ ዝወረደ መጥቃዕቲ ድማ፣ ብኣሻሓት ዝቁጸሩ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ካብ ከባቢኦም ከምዝተፈናቀሉ ጠቂሱ።

እቲ ኣመሓዳሪ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝንቀሳቀሱ ዕጡቓት ከምዝኾኑን፣ ንጸገም ጸጥታ ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎን ሓቢሩ።