መራሕቲ በበይነ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሎሚ ረቡዕ ኣጋ-ንግሆ ምምራጹ ንዘመስከረ ዶናልድ ትራምፕ ዘለዎም ድጋፍን ኣብቲ ዞባ ክመጽእ ንዝኽእል ጽምዶን ንኢዶም። እቶም ድሮ ናይ ዮሃና መልእኽቶም ገሊጾም ዘለዉ መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንሓድሽ ዝተመርጸ ዶናልድ ትራምፕ ጽቡቕ ምንዮቶም ብምግላጽ፡ ሃገራቶም ምስ ምምሕዳሩ ብሰናይ ድሌት ክሰርሓ ዘለወን ድሌት’ውን ጠቒሶም።
ንመልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ዘካፈለ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ን”ታሪኻዊ” ዝበሎ ምምላስ ዶናልድ ትራምፕ ብምጥቃስ፡ “ዓለማዊ ሰላም ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ተነቃፊ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ምምራጹ ፍሉነይነት ኣለዎ፡” ኢሉ።
ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቀጺሉ፡ ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ብዝተሓደሰ መንፈስ ጽምዶ ክትሰርሕ ድልውቲ ምዃና ጠቒሱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ንታሪኻዊ ዝበሎ ዳግም ምምራጽ ዶናልድ ትራምፕ ብምምጓስ፡ ሃገሩ ምስ ኣመሪካ ንዝህልዋ ናይ ስራሕ ዝምድና ንቕድሚት ከም ዝጥምት ጠቒሱ።
ፕረዚደንት ሶማሊያ ሸኽ ሓሰን መሓሙድ’ውን ብወገኑ፡ ሃገሩ ኣብ ምስፋን ሰላም፡ ጸጥታን ካልእ ምትሕብባርን ምስ ኣመሪካ ክትስርሕ ዘለዎ ሰናይ ምንዮት ኣካፊሉ ኣሎ።
ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ብግደኡ፡ ዝምድና ኣመሪካን ግብጺን ታሪኻዊን መርኣያ ጽቡቕ ኣብነት’ዩ ድሕሪ ምባል፡ ነቲ “ቍልፊ” ኢሉ ዝጸውዖ ምትሕግጋዝ ክልቲኣን ሃገራት ክቕጽል ዘለዎ ድሌት ኣካፊሉ።
መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ካልኦት ጎረባብቲን ምስ ዝመጽእ ምምሕዳር ትራምፕ ክህሉዎም ዝኽእል ድምጾ ደኣ ይንኣዱ እምበር፡ ተንተትኒ ግን እዚ ዝቕጽል ምምሕዳር ትራምፕ ካብቲ ዝቐደመ ብዙሕ ዝፍለ ኣይክህሉዎን ዝብል እምነት ኣለዎም።