የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትግራይ ኣሕፈሮም ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተወሊዱ፤ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ኣብ ነበለትን ዓዲ ግራትን ተማሂሩ ፤ ቀፂሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ዝለዓለ ትምህርቲ ምስ ተመሃረ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መንግስታዊ ትካል ተቘፂሩ ይሰርሕ'ሎ።
መቐለ —
የማነ ኵናት ዓድዋ ብመዳይ ስራሕቲ ስለላ ብኸመይ ይግለፅ ኣብ ዝብል ግደ ባሻይ ኣውዓም ዘዘንትው መጽሓፍ ከምኡ እውን ካልአይቲ ኣብ ዛንታ ቀዳማይ ወያነ ዘድሀበት መጽሓፍ አሐቲሙ ንንባብ ኣብቂዑ እዩ።
"ታሪኽ ካበይ መፂእና ናበይ ክንቅፅል ከምዘለና እዩ ዘርእይ፤ካበይ ከምዝመፅአ ዘይፈልጥ ሰብ ናበይ ከምዝኸይድ እውን ኣይፈልጥን" ይብል ጸሓፊ ታሪኽ የማነ ገብረመስቀል።
የማነ እታ ቀዳመይቲ መጽሓፉ ብኣምሓርኛ ካልአይቲ መጽሓፉ ድማ ብትግርኛ ከምዝፀሓፈንን ፅቡቕ ተቐባልነት ከምዝረኸበን ይዛረብ።
መንእሰይ የማነን ስራሓቶም ብዝምልከት ዝተዳለወ መደብ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ምስናድ ታሪኽ ኢትዮጵያውያን ዝወፈረ መንእሰይ