ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ -- ዕላል ምስ መዋእል መሃንሾ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

Your browser doesn’t support HTML5

ምስ መግዛእቲ ጣልያን ናብ ኤርትራ ዝተኣታተወ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ፡ ነዊሕ ሰረትን ህዝባዊ ድጋፍን ዘለዎ ዓይነት ስፖርት’ዩ። ንሱን ካልእ ምኽንያታትን እምበኣር’ዩ ኤርትራያውን ተቐዳደምቲ ኪንዮ ኣብ ኣፍሪቃ ዝስራዕ ውድድራት፡ ሕጂ ናብ ዝዓበየ መድረኻት ተሳቲፎም’ውን ታሪኽ ዘመዝግቡ ዘለዉ። በዚ ኣጋጣሚ እምበኣር ኣብዚ ጉዳይ መጽሓፍ ዝጸሓፈን ንቢንያም ግርማይ ፈለማ ናብ ውድድር ማውንቴን ባይክ ዝዓደመን መዋእል መሃንሾ ኣዘራሪብና ኣሎና።