ዋሽንግተን —
ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ ኩናትን ስቕያትን ሃዲሞም ዝተሰደዱ ክልተ ሚልዮን ሰባት ንዝተፈላለዩ ቀይዲ ናይ ዑቕባ ፖሊስ ሃገራት ኣውሮጳን ኣሜሪካን ዝተቓልዑ ምኳኖም ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ፊሊፖ ግራንደ ሓቢሮም።
እዚ ቁጽሪ ነቶም ካብ ደቡብ ሱዳን ዝተሰደዱ 650,000 ን ካብ ማይነማር(በርማ) ዘሎ ዓሌታዊ ግጭት ሃዲሞም ናብ ባንግላዴሽ ዝተሰዱ 500,000 ኣመንቲ እስልምና ዝኾኑ ዓሌት ሮሆንጃያ ዘጠቓልል ምኳኑ ተገሊጹ’ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5
ምዕጻው ዶባት፡ ውሱን መእተዊ ፍቓድ፡ ቀያዲ ናይ ዑቕባ መስርሕ ከምኡ’ውን ንዘይተወሰነ ጊዜ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ምጽናሕ ዝአመሰሉ ብድሆታት ምብዝሖምን ነቲ ዝዓብይ ዘሎ “ዘርኣዊ ጽልኢ” ዘርእይ’ዩ እውን ይብሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 1.2 ሚልዮን ስደተኛታት ኣብ ሳልሳይ ሃገር ክጣየሱ ዝጽበዩ ከምዘለው ዝገለጹ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ፊሊፖ ግራንደ ክሳብ ሕጂ ካብ 100,000 ዝወሃዱ ስደተኛታት ምጥያሶም ንብዙሓት ዘተሓሳሰበ ምኳኑ’ውን ኣይሓብኡን።