ዋሽንግተን —
ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ዘይድ ራኢድ ኣል-ሑሴን ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ትሕቲ ፕረዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ነፃነት ፕረስ ይጥቃዕ ኣሎ፤ሳዕቤኑ ሃገራውን ዓለምለኸን እዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም።
ንሶም ቃላት ሳዕቤናት ስለዘለዎም ኣብ ኣጠቓቕማ ብልሓት የድሊ እዩ፤ ፕረዝዳንት ትራምፕ ፍሉጣት ጋዜጣታትን ማዕኸናት ዜናንን ከም ሓሰውትን ቅንዕና ዘይብሎምን ገይሮም ምግላፆም ኣዕናዊ እዩ ኢሎም።
ጋዜጠኛታት ከም ዘይእመኑ፣ሕማቓትን ዘርጋሕቲ ናይ ሓሶት ዜናን ዝብል ሽም ምሃብ ሓደገኛ እዩ ይብሉ።
“ካልኦት ሰባት ንጋዜጠኛታት ከጥቅዑዎም ምልዕዓልዶ ኣይኮነን እዩ እዚ?ሓደ ጋዜጠኛ ናይዘን ማዕኸናት ዜና ግዳይ መጥቓዕቲ እንተኾይኑ እቶም ፕረዝደንት ነዚ ብምልዕዓል ሓላፍነት ካብ ምሽካም ክድሕኑ እዮም ማለት ድዩ?”
ነፃነት ፕረስ እምነ ኩርናዕ ሕገመንግስቲ ኣሜሪካ እዩ ዝበሉ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ሓለዋ ዘድልዮ ነፃነት ፕሬስ ኣብ ትሕቲ ቀፃሊ መጥቓዕቲ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ወዲቑ’ሎ ኢሎም።ሳዕቤኑ ድማ ፍርሒ፣ርእሰ ምመያ፣እገዳን ህውከትን ሓዊሱ ሓደገኛ ሳዕቤን ኣለዎ ኢሎም።
ትራምፕ ከም ሲኤንኤን፣ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ፣ ዋሽንግተን ፖስት ዝኣመሰላ ቀንዲ ማዕኸናት ዜና ብተኸታታሊ ይንቕፉወን።