ዋሽንግተን —
ኣመሪካ፡ ሓያሎ ኣባል ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረትን እንግሊዝን ዝርከበኦ ጥምረት፡ ኣብቲ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ጀነቫ ንዝጋባእ ምትእኽኻብ ሓገዝ ኣመልኪተን መግለጺ ኣውጺአን። እቲ ኣብ ጀነቫ ን16 ሚያዝያ ተመዲቡ ዘሎ፡ ሓገዝ ናይ ምውህላል መደብ ብምትሕብባር መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኮሚሽን ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)ን መንግስቲ እንግሊዝን ዝምራሕ’ዩ። እቲ 17 ሃገራትን ደምበን ዝሓቘፈ መሓዙትን መሻርኽቲን ኢትዮጵያ ዝተሰየመ ምትእኽኻብ፡ ቀንዲ ኣተኵሮኡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ውሕስነት ዜጋታትን ዘተኰረ ከም ዝኸውን እቲ ትማሊ ዝወጽአ መግለጺ እቲ ምትእኽኻብ ኣፍሊጡ።
እቲ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ ኢትዮጵያ ገጢምዋ ንዘሎ ሕጽረት መግቢን ካልእ መሰረታዊ ሰብኣዊ ጠለባትን ብምርዳእ፡ ንዕብየቱን ውሕስነቱን ክሰርሕ ምዃኑ ጠቒሱ። እንተዀነ መግለጺ እቲ ሕብረት ወሲኹ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጹርን ግሉጽን ፖሊሲ ኣብ ምብጻሕ ሓገዝ ክግበር፣ ድሕነት ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረዲኤት ከረጋግጽን ንውሽጣውያን ተመዛበልቲ ዘላቒ መፍትሒ ንምርካብ ክሰርሕን ጸዊዑ ኣሎ።