ጥርዓን ሓረስቶት ሓውዜን

ሓረስታይ ሓውዜን

ኣብ ወረዳ ሓውዜን ካብ ጥሪት መርፍእ ንዘውፅእ ውልቀ ሰብ ንሕድሕድ እንስሳ 100 ቕርሺ ብምኽፋል ከምዝረብረቡ ሓረስቶት ይጠርዑ ኣለዉ።

እቲ መርፍእ ካበይን መንን ከምዘምፅኦ ክበርሀሎም ኣይከኣለን። ሓደ ጊዜ መርፍእ ዝወፀኦ ጥሪት ብኡ ኣየብቅዕን እናተደጋገመ እዩ ዝርከቦ ይብሉ፤ ብማእኸላይ ኣርባዕተ ጊዜ ተመላሊሶም ገንዘቦም ሂቦም ዘውፅኡ ሓረስቶት ኣለዉ።

ነቲ መርፍእ ዘውፅእ ዘሎ ልማዳዊ ሓኪም እንስሳ ኣይተ ኪዱ ኣበዚ ይበሃል፤ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ወርዒ ለኸ ካብ ሓደ ወላዲ እየ ተማሂረዮ ይብል። እተን ጥሪት ብኸመይን ኣበይን ከምዝበልዐኦ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ብምግላፅ ብተግባር ግና ኢዱ ናብ ክሳደን ሰዲዱ የውፅአለን ምህላዉ ይገልፅ። ኰይኑ ግና ምምሕዳር ወረዳ ሓውዜን ነቲ ተግባር ደው ከብሎ ምስነገረኒ ዓመተይ ይገብር ሰሪሐ ኣይፈልጥን ይብል።

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ኣሕፈሮም ወልደገብርኤል ብወገኖም እቲ ፀገም ምስ ተሰምዐ ምስ ህዝቢ ተደጋጋሚ ዘተ ከምዝተኻየደ ይገልፁ። ብሰብ ሞያ ሕክምና እንስሳ መፅናዕቲ ምክያዱ እውን የዘኻኽሩ። ብድሕሪኡ እቲ ውልቀ ሰብ ዘካይዶ ዘሎ ተግባር ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብምግላፅ ተግባሩ ደው ከብል ከምዝተኣዘዘ ኣፍሊጦም።

እቶም ኣማሓዳሪ እቲ ውልቀ ሰብ ሐዚ እውን ደው ተዘየቢሉ ውሽጣ ውሽጢ እንተደኣ ይሰርሕ ሃሊዩ ብመፅናዕቲ ኣረጋጊፅና ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ኢሎም ኣለዉ።

Your browser doesn’t support HTML5

ሪፖርት ግርማይ ገብሩ