ንፕረዚደንትነት ትወዳደር ዘላ ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካመላ ሃሪስ፡ ምኽትላ ኮይኑ ዝወዳደር ሕጹይ ንምምራጽ ኣብ ናይ መወዳእታ ምጽፋፍ በጺሓ ከም ዘላ ይግለጽ ኣሎ።
ኣንጻራ ዝወዳደር ፕረዚደንት-ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ምስ ካመላ ሃሪስ ዝካታዓሉ ቦታን ግዜን ክቕየረሉ ይደፍእ ኣሎ።
ንደሞክራሲያውያን ሰልፊ ወኪላ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ትወዳደር ዘላ ካመላ ሃሪስ፡ ምኽትላ ኮይኑ ዝወዳደር ሰብ ኣብ ትመርጸሉ ዘላ እዋን፡ ህንጡይነት ኣድመጽቲ እናለዓለ ይኸይድ ኣሎ። ኣብቲ ዝርዝር ላዕላዋይ ቦታ ሒዞም ዘለዉ፡ ገዛኢ ፐንሰልቨንያ ጃሽ ሻፒሮ፡ ገዛኢ ሚኖሶታ ቲም ዎልዝ ከምኡ ድማ ሰነተር ማርክ ከሊ`ዮም።
ኣብ ዱክ ዩኒቨርሲቲ ፖለቲካል ሳይንትስት ጆን ግሪን ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ንምኽትል ፕረዚደንት ዝግበር ምምራጽ፡ ኣድመጽቲ ኣብ ካመላ ሃሪስ ዘለዎም ሚዛን ፈላማይ ጦብላሕታ ዝፈጥረሎም ክኸውን`ዩ ይብል።
“ብዛዕባኣ፡ ብዛዕባ ቀዳምነታታን ኣብ ምሕደራ ዘለዋ ኣካይዳን፡ ንኣድመጽቲ ሓደ ምልክት ዝህቦም ክኸውን`ዩ። ንሳ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክትመርሕ ኣብ ዘይከኣለትሉ እዋን፡ ንዓኣ ተኪኡ ንኣመሪካ ዝመርሕ ሰብ ከመይ ዝበለ ሰብ ይኸውን ዝብል`ውን ንኣድመጽቲ ከገድሶም`ዩ።"
ካመላ ሃሪስ ዝመጽእ ሰሉስ ካብ ግዝኣት ፐንሲልቨንያ ጀሚራ ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣመሪካ ምስቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ትረቑሖ ሕጹይ ብምዃን ጎስጓስ ምርጫ ክተካይድ`ያ።
ደምበ ምርጫ ትራምፕ ብወገኑ ኣብ ዝተወሰና ኣገዳስቲ ዝብለን ግዝኣታት ግዚኡን ሓይሉን ከዋፍር ተዳልዩ`ሎ። ፖለቲካዊ ሳይንትስት ጆን ግሪን ብዛዕባ`ዚ`ውን ከምዚ ይብል፡-“ኣብዚ እዋን`ዚ ከም ፐንሲልቨንያ፡ ዊስከንሰን፡ ሚሺጋንን ኣሪዞናን ዝበላ ዓበይትን ኣገደስቲ ባይታ ውድድራትን ኣለዋ- ትራምፕ ናብአን ድማ ጠመተ ክገብር`ዩ ።"
መረጽቲ፡ እቲ ምኽትል ካመላ ሃሪስ ኮይኑ ዝወዳደር መን ይኸውን ኢሎም ኣብ ዝጽበይሉ ዘለዉ እዋን፡ ሪፓብሊካን ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ካመላ ሃሪስ ናብ መድረኽ ክትዕ ክቐርብ ድዩ ዝብል ካልእ ሕቶታት`ውን የልዕል ኣሎ። እቲ ሪፓብሊካን ሕጹይ ሕጂ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ካብቲ ወድድር ስለዝወጸ፡ እቲ ንመስከረም 10 ብኤይ-ቢ-ሲ ተመዲቡ ዝነበረ ክትዕ፡ ኣብ ፐንሲልቨንያ ብፎክስ ኒውስ ክትካእን ኣብ መጀመርያ መስከረም ክካየድን ዝብል መጎተ የቕርብ ኣሎ።
ትራምፕ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብቲ `ማሕበራዊ ሚድያ ሓቂ ` ዝብሎ ማሕበራዊ መራኸቢኡ ፡ ብዛዕባ ሃሪስ ክዛረብ ከሎ " መስከረም 4 ክረኽባ`ያ፡ ወይ ከኣ ጠቕሊለ ኣይክርእያን`የ' ክብል ጽሒፉ`ሎ።
ወፍሪ ምርጫ ሃሪስ ብወገኑ፡ እቲ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተመደበ ዕለትን ቦታን ክካየድ ኣለዎ ዝብል ተሪር መርገጹ ቀጺሉ`ሎ።
ካመላ ሃሪስ ከምዚ ክትብል ንዶናልድ ትራምፕ መሊሳትሉ፡-"ዶናልድ ኣብቲ ናይ ክትዕ መድረኽ ክትረኽበኒ ተስፋ እገብር፡ ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ኣበሃህላ ዘሎ፡ `እትብሎ ነገር እንተለካ ኣብ ቅድመይ በሎ።"
ሃሪስን ትራምፕን ገጽ ንገጽ ክራኸቡ ድዮም ኣይክራኸቡን፡ ቀስ ኢልካ ዝርኣይ`ዩ ክኸውን። ግን ሪፓብሊካን ሕጹይ ትራምፕ ኣንጻር ደሞክራቲክ ሕጽይቲ ካመላ ሃሪስን ኣንጻር`ቲ ምኽትላ ኮይኑ ዝወዳደርን ከጥቅዕ ሓዲሽ ዕድል ክረክብ`ዩ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ካመላ ሃሪስ ምክትላ ብቅልጡፍ ክትመርጽ'ያ- ትራምፕ ሓድሽ ናይ ክትዕ ቦታ ይመርጹ