እስራኤልን ኣመሪካን 70-ሚልዮን ዶላር ንውሕስነት መግብን ተበግሶ ክሊማን ከምዘዋፍሩ ኣፍሊጦም

  • ዜና ቪኦኤ

ፕረዚደንት እስራኤል ኣይዛክ ሄርዞግን ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካመላ ሃሪስን ንክሊማ ዝጸውር ውፂኢታው ሕርሻን ቴክኖሎጂን ናብ ማእኸላይ ምብራቅ ኣፍሪቃን ንምትእትታው ዝዓለመ ናይ 70-ሚልዮን ዶላር ውሕስነት መግብን ተበግሶ ክሊማን ከምዘዋፍሩ ኣፍሊጦም።

ክልቲኦም ሰብ ስልጣን ነዚ ናይ ሓባር ተበግሶ ዝገለፁ ትማሊ ረቡዕ ሓባራዊ ኣኼባ ቅድሚ ምክያዶም’ዩ።

ንዘሎ ፀገም መግብን ለውጢ ክሊማን ንምክልኻል ክልቲኦም ወገናት 35- ሚልዮን ዶላር ከውፍሩ’ዮም ክብላ ምኽትል ፕረዚደንት ኣመርካ ካመላ ሃሪስ ገሊፀን።

ፕረዚደንት እስራኤል ብወገኖም ኣብ ጉዳይ ክሊማ ምትሕብባር ንምሕዳስ ማእኸላይ ምብራቅ ቀንዲ ረቁሓ’ዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ተዛሪቦም’ለዉ።

ፕረዚደንት ሄርዞግ ናብ ኣመሪካ ዝመጹ ንኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ብዛዕባ ዲሞክራሲ እስራኤል ንምርግጋፅን ርክብ እስራኤልን ኣመሪካን ንምሕያልን ዓሊሞም’ዮም፡ ድሓር’ዉን ንባይቶ ኣመሪካ መደረ ኣስሚዕም።