ቅንጸላ መራሒ ሓማስ ንዝኸፍአ ሕንፍሽፍሽ ከየምርሕ የስግእ

እስማዒል ሃኒየ - ፋይል

እስማዒል ሃኒየ ናብ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውግሕ ሰዓት 2፡00 ወጋሕታ’ዩ ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ቴህራን ተቐንጺሉ። እስራኤል ንነዊሕ እዋን ካብቶም ቀዳሞት ዒላማታታ ገይራቶ ጸኒሓ’ያ። ቅትለት ናይዚ ላዕለዋይ መራሒ ነቲ ድሮ ሕንፍሽፍሽ ኣትዩዎ ዘሎ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝተሓደሰ ጎንጺን ምትፍናን ከይደፍኦ ስክፍታ ኣሎ። ዝያዳ ኵሉ ድማ እቲ ግጭት ናብ ኢራን ክሰፍሕ ተኽእሎኡ ስለ ዝዓቢ’ዩ።

እስራኤል ብዛዕባ’ቲ ቅንጸላ ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበትን።

ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣይቶላህ ዓሊ ኾማኒ፡ “ሕነ ክንፈዲ ግቡእና’ዩ፡” ኢሉ። እስራኤል ንሃገራዊ ጋሻኣ ኣብ መሬታ ስለ ዝቐተለት ድማ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ክትቅበል ክትዳሎ እቲ ሃይማኖታዊ መራሒ ኣጠንቂቑ።

ሞት መራሒ ጉጅለ ሓማስ ነቲ ተስፋ ተነቢሩሉ ዝቐነየ ምቍራጽ ተጻብኦ ሓማስን እስራኤልን ንድሕሪት ከይመልሶ ሻቕሎት ኣሎ። ነቲ 10-ኣዋርሕ መሊኡ ዘሎ ጎንጺ፡ ቐጠር’ያ ብመሪሕነት ክትሽምግሎ መሪሕ ተበግሶ ወሲዳ ጸኒሓ። ድሕሪ ቅንጸላ ሃኒየ ግን እቲ ተበግሶ ናብ ባዶ ከም ዝተመልሰ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ገሊጹ።

መራሕቲ ሓያሎ ሃገራትን ነቲ ግጭት ንምዕራፍ ዝፍትኑ ዘለዉ ወገናትን እቲ ተጻብኦታት እናሰፍሐ ክሳብ ሊባኖስ ምቕጻሉ ሓድሽ ስክፍታ ፈጢሩ ጸኒሑ’ዩ። ሕዝቦላህ ካብ ሊባኖስ ኣብቲ እስራኤል እትቆጻጸሮ ኣኽራናት ጎላን 12 መናእሰይ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ከም ኣምሳያኡ ድማ እስራኤል ትማሊ ሰሉስ ንላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ጉጅለ ኣብ በይሩት ከም ዝቐንጸለት ትገልጽ ኣላ።

ኣብ ሲንጋፖር ዝርከብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሃገሩ ብዛዕባ’ቲ ቅንጸላ ኣፍልጦ ኮነ ተሳትፎ ከም ዘይብላ ገሊጹ። ብሊንከን ኣስዒቡ እቲ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ክዓርፍ ዘለዎ ተስፋ ኣካፊሉ።

ኣብ ማኒላ ፊሊፕነስ ዝርከብ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብጋዜጠኛታት ተሓቲቱ፡ ምሉእ ሓበሬታ ከም ዘይብሉን እቲ ግጭት ብዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ክፍታሕ ዘለዎ ተስፋን ጥራይ ገሊጹ።

ሃኒየ ንመመረቕታን ቃለ-ማሕላን ሓድሽ ፕረዚደንት ኢራን መሱድ ፐዚሽካን ናብ ቴህራን ምስ ተጓዓዝየ’ዩ ተቐቲሉ። መራኸቢታት ኢራን፡ ሃኒየ ምስ ሓድሽ ፕረዚደንት እታ ሃገር ተሓቛቒፉ ኣብቲ ጽንብል እናተሳተፈ የርእያ ነይረን። ሰዓታት ጸኒሑ’ዩ እቲ መራሒ ተቐቲሉ። ጸኒሑ ፕረዚደንት ፐሲሽካን ኣብ መሬቱ ንዝተገብረ መጥቃዕቲ ክከላኸል ምዃኑ ገሊጹ።

ጉጅለ ሓማስ’ውን ቅንጸላ መራሒኡ ነቲ ግጭት ከስፍሖ ከም ኣምሳያ ተግባራ ድማ እስራኤል ከቢድ ዋጋ ክትከፍለሉ ምዃናን ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝመደበሩ ፕረዚደንት ፍልስጤማውያን መሓሙድ ዓባስ ነቲ ተግባር “ናይ ፈረሓት ስራሕን ሓደገኛ ሳዕቤን ክህሉዎ ዝኽእልን” ክብል ኰኒኑዎ ኣሎ።

ወሃብ-ቃል ጉጅለ ሓማስ ሳሚ ዓብዱ ዙህሪ፡ ቅንጸላ መራሒኦም ነቲ ጉጅለ ከም ዘይጸልዎ ገሊጹ። ሃኒየ ኣብ 2019 ንወሽመጥ ቓዛ ገዲፉ ብስደት ኣብ ቐጠር’ዩ ክቕመጥ ጸኒሑ። ሬሳ እስማዒል ሃኒየ ናብ ቐጠር ዓርቢ ቅድሚ ምልኣኹ፡ ኣብ ኢራን ናይ ሓዘን ስነ-ስርዓት ክግበረሉ’ዩ።

ብ7 ጥቅምቲ ብመጥቃዕቲ ሓማስ ዝጀመረ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ እዋኑ 1,200 እስራኤላውያ ክቕተሉ እንከለዉ፡ ንመሰረት ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ድማ ዛጊት ልዕሊ 39-ሽሕ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም፡ ናብ 91-ሽሕ ዝጽግዑ ድማ ቆሲሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ቅንጸላ መራሒ ሓማስ ንዝኸፍአ ሕንፍሽፍሽ ከየምርሕ የስግእ