ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ መካ ይካየድ ኣብዝነበረ ዓመታዊ ስነስርዓት ሕጃ ብዝተፈጥረ ምፅቕቓጥ እንተወሓደ 717 ሰባት ሞይቶም ካልኦት 805 ድማ ቖሲሎም።
ዋሽንግተን ዲሲ —
ሰበስልጣን ስዑዲ እቲ ኣብ መካ ሎማመዓልቲ ሓሙስ ዝበጸሐ ሓደጋ ኣመንቲ ቅድሚ ኢድ ኣል-ኣድሓ ምጅማሩ ኣብ መወዳእታ ሕጃ ንሰይጣን ንምውቃኦ ብዝል እምነት እምኒ ንምድርባይ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ብተመሳሳሊ ሓደጋ ተጸቓቒቶም ክሞቱ ጸኒሖም እዮም።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሕጃ ክልተ ሚሊዮን ሰባት ተሳቲፎም ኣለው።