ዋሽንግተን —
ኣብ ሀይቲ ኣብ ምዕራባዊት ከተማ ፖይንተ ሶንደ ብዕዋላት ዝተፈፀመ ጅምላዊ መጥቃዕቲ ሰዒቡ ሀይያውያን ብሞት ኣባላት ስድርኦምን ዝበጽሐ ጉድኣት ንብረትን ሓዘኖም ይገልፁ’ለዉ።
ካብቲ መጥቃዕቲ ገለ’ኳ ከይሓዙ ኣባይቶም ራሕሪሖም ዝሃደሙ ግዳያት ኣብ ከተማ ሴንት ማርክ ትማሊ ሰንበት መግቢ ክዕደሉ ክፅበዩ ተራኣዮም። ገሊኦም ካብቶም ተመዛባልቲ ሓያለ ኣባላት ስድርኦም በቲ መጥቃዕቲ ዝሞትዎም’ዮም።
ገለ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝሃደሙ “ኣብ ገለ ከባቢታት ሰዓት ሓደ ንግሆ ተኩሲ ጀሚሩ: ግን ኣብ ገዛውትና ድምፂ ጠያይት ክሰምዕ ዝጀመርኩ ሰዓት ሰለስተ ናይ ንጉሆ’ዩ። ንሕና ከኣ ሰዓት ኣርባዕተ ሃዲምና ናብዚ ከኣ ሰዓት 8- ናይ ንጉሆ በፅሕና” ይብሉ ።
ካልኦት ከኣ ብዙሓት ኣባላት ስድርኦም ከም ዝተቀትልዎም ብዘይ ስነስርዓት ቀብሪ ከምዝተቀብሩን ይገልጹ።
ኣውቶማቲክ ኣፅዋራት ዝተዓጠቁ ዕዋላታት ናብቲ ዞባ ሕርሻ ብሓሙስ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ብዉሑዱ 70-ሰባት ቀቲሎም ልዕሊ 6-ሽሕ ክሃድሙ ጌሮም’ለዉ። መራሒ እቲ ግራን ግሪፍ ዝተባህለ ጉጅለ ዕዋላታት ሉክሳን ኢላን ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ሕነ ዝተቀትሉ ወታሃደራቱ ምኻኑ ብምግላጽ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ።