ኣምባሳደራት ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ተራኺቦም

ናይ ኢትዮጵያ ምርጫ ክካየድ ትሕቲ ሓደ ወርሒ ኣብ ዝተረፈሉ እዋን ኣምባሳደራት ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ተዘራሪቦም።ናይ ግንቦት መረፃ ሓደ መዘራረቢ ኣርእስቲ ነይሩ ተባሂሉሎ።

ነባሪነቶም ኣዲስ ኣበባ ዝኾኑ ኣምባሳደራት ኣባል ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ዝተራኸቡ ትማሊ እዮም።ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት ዝዳህሰሰ ኣኼባ ነይሩ እውን ተባሂሉሎ።

ኣብ ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ጀነራል ጉዳያት ኣውሮፓ ዝኾኑ ካሳ ገብረዮሃንስ ጉዳይ ምርጫ ኣብቲ ዝርርብ ምልዓሉን ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም እቲ ምርጫ ብዕዉት ከም ዝዛዘም ንቶም ልኡዃት ከምዝገለፁሎምን ሓቢሮም።

እቲ ምርጫ ዴሞክራሲያዊ፣ነፃን ፍትሓውን ንኸውን መንግስቲ ከምኡ እውን ቦርድ ምርጫ የካይድዎ ዘለው ምድላዋት ትኹረት ዝተውሃቦን ጉዳይ ነይሩ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ግን ኣብቲ ዝርርብ ብዛዕባ ዝተልዓሉ ጉዳያት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ዝሓለፉ ክልተ ምርጫታት ዝተዓዘበ ሕብረት ኣውሮፓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ምርጫታት ዘቕረብናዮም ፀብፃባት ኣይተቐበለናን ክብል ምኽንያት ብምሃብ ነዚ ናይ ሎሚ ምርጫ ከምዘይዕዘብ ኣፍሊጡሎ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይዓደመናን እውን ኢሉሎ።

ሕብረት ኣውሮፓ ብትዓዛቢነት ዘይምስታፉ ዝኾነ ይኹን ፅልዋ የብሉን ዝበለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣፍሪካን ናይ ውሽጢ ሃገራት ሲቪክ ማሕበራትን ነቲ ምርጫ ክዕዘብዎ እዮም ኢሎም ኣለው ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ።