ተቃወምቲ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ሰጊሮም መጥቃዕቲ እንተፈፂሞም፣ 'ስራሕና ዓዪና ክንምለስ ኢና' ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ

‘ካብ’ቶም ኣብ ኤርትራ ዝመደብሮም ተቃወምቲ ሓደ’ውን እንተኾነ ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ እንተፈፂሙ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ከቢድ ግብረ-መልሲ ክትህበሉ’ያ’ ኢሎም።

‘ከይትፍትን።እንተፈቲንካ ግና ኣቲና ንሓንሳብን ንሓዋሩን ዘየዳግም ስራሕ ፈፂምና ክንወፅእ ኢና።እዚ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ’ውን ኣፍሊጥና ኢና’ ኢሎም እቶም ቀ/ሚ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ኣብ’ዚ ቀረባ ካብ ኤርትራ ናብ ኣሜሪካ ዝተመለሱ፣ ኣብ ኣርበኞችን 7 ግንቦትን መሪሕነት ዓለም-ለኸ ርክባትን፣ሓላፊ ዝምድናታት ወፃኢን ኣቶ ንኣምን ዘለቀ ‘ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ብብልሽውና ብስርቂን ብዝመሽመሹ ጀነራላት ዝተኣሰረ ሰራዊት’ዩ።ሎሚ’ውን ከምትማሊ፣ ኃይለማርያም’ኮ ይሓስብ ዘሎ፣ከም’ቲ ኣብ ባድመ ዝተፈፀመ ፈንጂ ረጋፂ ክገብሮ’ዩ ድልየቱ።ዘዋፅኦ እንተኾይኑ ይፈትኖ' ኢሎም።