ምስ ወናኒ ትካል ሕጊ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ነፍታሌም ተኽላይ ሃብተማርያም

Your browser doesn’t support HTML5

ምስ ወናኒ ትካል ሕጊ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ነፍታሌም ተኽላይ ሃብተማርያም

ኣብ ስያትል ዋሽንግተን ዝመደብሩ ሃብተማርያም ትካል ሕጊ ሓደጋ መኪና ሓዊሱ ብዝተፈለለየ ኣጋጣሚታት ሓደጋ ንዘጋጠሞምሰባት ብምውካል ዝካሓስሉ መንገዲ ብመንጽር ሕጊ ዝናዲ ትካል ሕጊ'ዩ።

መስራቲን ወናኒን ትካል ሕጊ ሃብተማርያም ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ነፍታሌም ተኽላይ ሃብተማርያም ኣብ ኤርትራዊ ቀዳማይ ናይ ሕጊ ድግሪ ድሕሪ ምሓዙ ኣብ ጀርመን ማስተርስ ድግሪ ናብ ኣመሪካ ምስ መጸ ከኣ ካብ ካንሳስ ዩኒቨርስቲ ብጀይዲ (ዶክተረይት) ተመሪቑ።

ነፍታሌም ድሕሪ ትምህርቱ ምውድኡ ኣብ መኣዲ ሞያ ሕጊ ምውፋሩን ድሒሩ ከኣ ነዚ ናይ ባዕሉ ትካል ሕጊ መስሪቱ ኣብ ዝነብረሉ ክፍለ ግዝኣት ስያትል ዋሽንግተን ሓዊሱ ኣብ ሰለስተ ክፍለ-ግዝኣታት ጨንፈራት ብምኽፋት ኣብ ምስራሕ ይርከብ።

ንስርሓቱን ተመኵሮኦን ብዝምልከት ኣዘራሪብናዮ ኣለና።