ኣምቦ —
ኣብ ክልተ ዞባታት ጉጂ ብሰንኪ ንዓመታት ዝቐፀለ ግጭት ኣሰቃቒ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ይፍፀም ኣሎ ክብል ማእኸል ዕብየት መሰላትን ዴሞክራስን(ካርድ) ኣፍሊጡ።
እቲ ተሓላቒ መሰላት ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ዕጡቓትን ንዓመታት ከም ዝቐፀለ ብዝገለፆ ‘ጎነፃዊ ናዕቢ’’ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እተን ዞባታት ዝወረዱ ግፍዕታት የርእዩ እዮም ዝበሎም 36 መርኣያታት ኣብ መፅናዕታዊ ፀብፃቡ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።
ክልቲኦም ዞባታት ጉጂ ሓዊሱ ኣብ ምዕራባዊ ዞባታት ኦሮሚያ፣ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን፣ ቤንሻንጉል ጉምዝን ብዝቐፀሉ ግጭታትን ግጭታት ዝፈጠሩዎም ተፅዕኖታትን ኣወንታዊ ለውጢ ክመፅእ እዩ ኢሉ ከም ዘይኣምን ዝገለፀ እቲ ትካል ዘላቒ ፍታሕ ንምርካብ ሓቀኛን ኣሳታፊን ልዝባት ክካየድንን በቲ ናዕቢ ሓዘል ግጭታት ጉድኣት ዝወረዶም ዜጋታት ፍትሒ ክረኽቡን ጠሓስቲ መሰላት ድማ ተሓተቲ ክኾኑን ንኩሎም ሰብ ትሕጃ ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።