ፕረዚደንት ጊኒ-ቢሳው ፓርላማ ሃገር ኣፍሪሱ

ፕረዚደንት ጊኒ-ቢሳው ኦማሮ ሴሶኮ ኢምባ

ፕረዚደንት ጊኒ-ቢሳው ኦማሮ ሴሶኮ ኢምባሎ፡ “ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኣካዪዱ” ብዝብል ምኽንያት ንፓርላማ እታ ሃገር ኣፍሪሱ።

ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ 4 ታሕሳስ 2023 ዝሓለፈ ፕረዚደንታዊ መምርሒ፡ “ፓርላማ እታ ሃገር ኣብ መንጎ ክልተ ሓይልታት ኲናት እናተኻየደ ስቕ ኢሉ ርእዩ፡” ኢሉ ይኸስስ።

እዚ በይንኣዊ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ነታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብዘይ ሓጋጊ ኣካል ክትጸንሕ ዝገብር’ዩ። ፕረዚደንት ኢምባሎ፡ ምርጫ ኣብ ቀረባ ግዜ ክካየድ ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱ ኣሎ።

እቲ መምርሒ ፕረዚደንት ግን ብፕረዚደንት እቲ ፓርላማን ተቓዋሚ ሰልፊን ንእለቱ፡ “ንሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ዝጻረር” ብዝብል ተነጺጉ ኣሎ። ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ዘሎ ምትፍናን ነታ ሃገር ኣብ ሕምስምስ ከይሸማ ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።

ኣብታ ኣብ 1974 ካብ ፖርቱጋል ናጽነታ ዝረኸበት ጊኒ-ቢሳው ዕልዋ መንግስቲን ዘይምርግጋእን ኣዝዩ ልሙድ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢምባሎ ኣብ ለካቲት 2022 ፈተነ ዕልዋ ተኻዪዱሉ ነይሩ።