ቢዮንሰ ሽልማት ግራሚ ተዓዊታ

  • ዜና ቪኦኤ

ቢዮንሰ ኣብ ሽልማት ግራሚ

ኣብ ኣመሪካ ክፍለ-ግዝኣት ካሊፎርንያ ከተማ ሎስ-ኣንጀለስ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ መበል 67- ዓመታዊ ሽልማት ግራሚ ቢዮንሰ “ካውቦይ ካርተር” ብዝብል ኣልቡም ናይ ዓመት’ዚ ዝበለጸ ኣልቡም ብምዃን ተዓዋቲት ኮይና።

ነቲ ሽልማት ንቢዮንስ ዝዓደሉ ኣባላት ምክልኻል ባርዕ ሓዊ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ’ዮም። ኣብታ ምሸት ነቲ ኣብ ቀረባ ዘጋጠመን ኣሽሓት ኣባይቲ ዘንደደን ባርዕ ሓዊ በረኻ ዘንፀባርቅ መደባት’ዉን ቀሪቡ’ዩ።

ቢዮንሰ ነቲ ሽልማት ኣብ ዝተቐበለትሉ ነቶም ኣባላት ምክልኻል ባርዕ ሓዊ ንድሕነት ነበርቲ ብምሕላዎም ኣፍልጦ ክህቦምን ከመስግነኖም እደሊ ድሕሪ ምባል ብዛዕባ’ቲ ሽልማት ኸኣ ዝስመዓ ክብሪ ገሊጻ።

ከንድሪክ ላማር ከኣ ኖት ላይክ አስ “Not Like Us,” ብትብልን ነቲ ምስ ብፃዩ ራፐር ዴረክ ንዝነበረ ምስሕሓብ ዘግደደትን ደርፉ ተዓዋቲ ናይዚ ዓመት’ዚ ሽልማት ግራሚ ኮይኑ’ሎ።

ቢዮንሰ ኣብ ታሪኽ ግራሚ ብብዝሒ ሕፅይቲን ሽልማት እንተኾነት ክሳብ ትማሊ ግን ከይተዓወተት’ያ ፀኒሓ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ምዕዋታ ከኣ ኣብ ታሪኽ መበል 21-ክፍለ ዘበን ነዚ ዝለዓለ ሽልማት ትረክብ ዘላ ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ኣመሪካዊት ጓለንስተይቲ ስነ-ጥበባዊት ኮይና ኣላ።