መንግስታት ምቅስቓሳት ህዝቢ ኣብ ምድራት ብዕቱብ ይሰርሑ፤ኦሎምፒክ ክናዋሕ እውን ፀቕጢ ሓይሉ'ሎ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

መንግስታት ምዕፃው ሃገራትን ከተማታትን ንሰባት ኣብ ምኽልካልን ብብርቱዕ ይሰርሑ ኣለው።ስፖርታዊ ውድድር ኦሎምፒክ ክናዋሕ ሓያል ድፍኢት ዓሪፉዎ ኣሎ።

ቀዳማይ ምንስቲአር ጃፓን ሺኖዝ ኣቤ ሎማዕንቲ ሶኑይ ኦሎምፒክ ብምልኡነት ንምክያድ ኣፀጋሚ እንተድኣ ኮይኑ ድሕነት ኣትሌታት ንምሕላው እቲ ውድ ድር ምንውሑ ምንዋሕ ዘይተርፍ እዩ ኢሎም።ናይ ኣውስትራሊያ ሰበስልጣን ኦሎምፒክ ብወገኖም ኣብቲ ዝተትሓዘሉ ወርሒ ሓምለ ክካየደ ከምዘይኽእል ንፁር ኮይኑሎ ኢሎም።

ናይ ካናዳ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ብወገኑ ናይ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ኣብዝተሓዘሉ እዋን ዝካየድ እንተኾይኑ ካናዳዊያን ኣትሌታት ኣይወዳደሩን ኢሉ።ንሓደ ዓመት ክናዋሕ እውን ፀዊዑ ኣሎ።

ዓለምለኸ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ይልዓሉ ዘለው ሓሳባት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ መዕልቦ ክረኽቡ እምነት ኣለዎ።

ኣብ ኩለን ሃገራት ዓለም ብኖቨል ኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ልዕሊ 350 ሽሕ ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 15 ሽሕ በፂሑ ኣሎ።

ቻይና ብበዝሒ ትሑዛት ናይቲ ቫይረስ ቀዳመይቲ እንተኾነት እውን ሎማዕቲ ሶኒ እውን ከባቢያ ምትሕልላፍ ናይቲ ቫይረስ ከምዘተርኣየ ገሊፃ።ካብ ወፃኢ ዝኣተው ሳላሳን ትሽዓተን ከምዝመዝተመዝገቡ ግን ሰበስልጣን ጥዕና ኣፍሊጦም ኣለው።ኩሎም በረራታት ኣብ ቤጂንግ ናብ ዝርከቡ ዓሰርተ ክልተ መዕረፎ ነፈርቲ ክጉዓዙ ኣገዲዱዎም ኣሎ።

በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዐት ደቡብ ኮሪያ ዓብይ ምምሕያሽ ኣብ ምምዝጋብ ትርከብ።ሎማዕንቲ ሶኑይ 64 ሓደሽቲ መዝጊባ።ኣብ ሓደ እዋን ልዕሊ 900 ሓደሽቲ ዝመዝገበት ደቡብ ኮሪያ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ክልተ ማዕልታት በብዕልተኡ ትሕቲ ሓደ ምእቲ ሓደሽቲ ክትምዝግብ ፀኒሓ ኣላ።

ሕቡራት ዓረብ ዒማሬት ኩሎም በረራራት ነፈርቲ ንኽልተ ሰሙን ኣጊዳ ንመዕረፎ ነፈርቲ ዱባይ እውን ዓፅያቶ።

ጣሊያን ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ተመሳሳሊ እገዳ እንተንበረት እውን ትማሊ ሰንበት ጥራሕ 651 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።ቀዳማይ ምንስቴር ጣሊያን ጂሴፔ ኮንቴ ካብ ሎሚ ሶኑይ ጀሚሩ ሰባት ኣብታ ሃገር ከይጉዓዙ ኣዊጆም ኣለው።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኮሮናቫይረስ ኣብ 186 ሃገራትን ግዝኣታትን ምእታው ገሉፁ።

እቲ ለበዳ ንዕዳጋታት ዓለም ብምልማስ ኣብ ሸቕሊ ማእለያ ዘይብሉ ጉድኣት ኣብ ውራድ ይርከብ።

ኮንግረስ ዩናይትድ ስቴት 1.8 ትሪሊያን ዶላር ዝዋጉኡ ናይ ምድሓን ፓኬጅ ንምፅዳቕ ይፍትኑ ኣለው፤ ቀዳምነት ንመን ይውሃቦ ኣብ ዝብል ኣብ መንጎ ሪፓብሊካዊያንን ዲሞክራሲያዊያንን ብሰንኪ ዘሎ ኣፈላላይ ግን ገና ኣብ ዝምምዕ ኣይበፅሑን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

መንግስታት ምቅስቓሳት ህዝቢ ኣብ ምድራት ብዕቱብ ይሰርሑ፤ኦሎምፒክ ክናዋሕ እውን ፀቕጢ ሓይሉ'ሎ