ሃገራዊት ቤት ምኽሪ ድሕነት ኢትዮጵያ ንዝሃቦ መግለጺ ህወሓት ይቃወም

Your browser doesn’t support HTML5

ሃገራዊት ቤት ምኽሪ ድሕነት ኢትዮጵያ ንዝሃቦ መግለጺ ህወሓት ይቃወም

ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ድሕነት ኢትዮጵያ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዕጡቓት ህወሓት ምሉእ ብምሉእ ዕጥቆም ክፈትሑን ኣከራኻሪ ዝበሎ ቦታታት ድማ ሓደ መደምደምታ ክግበረሉን ጠቒሱ ነይሩ። ንስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ዝፈረመ ህወሓት ግን ቅድሚ ግዜኡ ሰራዊቱ ዕጥቂ ከም ዘፍትሐ ገሊጹ። ርእይትኡ ንድምጺ ኣመሪካ ዝሃበ ሓላፊ ክፍሊ ፕሮፓጋንዳ እቲ ውድብ ድማ ፈደራል መንግስቲ ነቲ ክፍጽሞ ዝግበኦ ከም ዘየማልአ ይምጉት።