‘ኽልተ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኦህዴው ካብ ሓላፍነቶም ተአልዮም’ ጋዜጣ ሪፖርተር

ክልል ኦሮምያ

ኽልተ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ክልል ኦሮምያ ካብ ሓለፍነቶም ክእለዩ ከምዝተወሰነ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝሕተም ጋዜጣ ሪፖርተር ሓቢሩ።

ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ናይ ሎሚ ሕታሙ ካብ ሓለፍነቶም ክእለዩ ዝተገብሩ ናይቲ ክልል ገዛኢ ፓርቲ ኦህዴው ኣባል ፈጻሚ ኮሚቴን ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት’ቲ ፓርቲን ኣቶ ዳባ ደበሌን ከምኡ’ውን ናይቲ ክልል ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ምሕደራን ጉዳያት ጸጥታን ኣቶ ሰለሞን ኩቹ’ዮም።

እቲ ጋዜጣ ከምዝበሎ ገዛኢ ፓርቲ ክልል ኦሮምያ - ኦህዴው ዕለታዊ ምንቅስቃሱ ዝመርሕ ቤት-ጽሕፈት ሓላፊ ኣቶ ዳባ ደበሌ ካብ መንጎ’ቶም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን’ቲ ክልልን ካብ መንጎ’ቶም 36 አባላት ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግን ’ዮም።

ፖሊት ቢሮ ኦህዴው ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ አብ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ከምዝመኸረሉን እቲ ውሳኔ’ውን ኣብዚ ኣኼባ ከምዝተወሰነ ተጠቂሱ’ሎ።

ናይ ፈደራል ኮነ ናይቲ ክልል መንግስቲ ብዛዕባ’ዚ ዝሃብዎ መብርሂ የለን።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

‘ኽልተ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኦህዴው ካብ ሓላፍነቶም ተአልዮም’ ጋዜጣ ሪፖርተር