መቐለ —
ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሚኒስተር መራኸቢታትን ለገሰ ቱሉ፡ ኣብ ከባቢ ኮረም-ኣላማጣ ንዝርአ ዘሎ ተደጋጋሚ ምልውዋጥ ተዅሲ፡ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ነቲ ዘሎ ምትፍናን ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሕዎ ብምጽዋዕ፡ መንግስቲ ብህዝበ-ውሳነ ክፈትሖ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ሚኒስተር፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝሰብር’ዩ ክብል እንከሎ፡ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ጎንጺ ዘበግሱ ዘለዉ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ’ዮም ክብል ይኸስስ።