ባህርዳር —
ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ትካል ዓለምለኸ ረድኤት ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ)ን ኣብ ኢትዮጵያ ሰሜን ጎንደር ኣብ ዝርከባ ሰለስተ ወረዳታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ረድኤት ምሃብ ድሕሪ ምቁራጹ ኣብቲ ዞባ 32 ሰባት ብጥምየት ምሟቶም ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ገሊጾም።
ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ዞባ ሰሜን ጎንደር ኣቶ ይርዳው ሲሳይ ትካላት ረድኤት ሓገዝ ምሃብ ጠጠው ብምባሎምን ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ደርቂን ተደማሚሩ 32- ሰባት ብጥምየት ክሞቱ ከለዉ ኣስታት 200- ሽሕ ህዝቢ ድማ ህጹጽ ረድኤት ዝደሊ እዩ ኢሎም። እቲ ከባቢ ኣቐዲሙ'ውን ትርፊ ዘፍርይ ብዘይ ምዃኑ ልዕሊ 800-ሽሕ ህዝቢ ብረድኤት ዝነብር ዝነበረ ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ኣቶ ይርዳው ለገስቲ ዘቋረጽዎ ረድኤት ምሃብ ከም እንደገና ክጅምሩ ተማሕጺኖም'ለዉ ።
ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ቀበሌታት ጃን ኣሞራን ክልል ማርያምን ጥምየት ከም ዝሓየሎም ብምግላጽ ሰብኣውነት ዝስምዖ ዜጋ ክሕግዞም ተማሕጺኖም ኣለው።
ትማሊ ትካል ዜና ፈረንሳ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ጸብጻቡ ድሕሪ ምቁራጽ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ 1,329 ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ምሟቶም መጽናዕቲ ዘካየዱ አካላት ብምጥቃስ ምሕባሩ ይፍለጥ።