ኣብ ጎንደርን ከባቢኣን ሓዲሽ ኣድማ ተወሊዑ

ኣብ ምዕራባዊ ኽሊ ኣምሓራ ኣብ ከተማ ጎንደርን ካልኦት ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ኸተማታትን ሓዲሽ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ከምዝተወልዐ ነበርቲ ንቪኦኤ ብስልኪ ተዛሪቦም።

“ ን5ተ መዓልታት ዝጸንሕ ኣድማ ሎሚ ተጀሚሩ`ሎ፡ ዝኾነ ትራንስፖርት ኾነ ኻልእ ምንቅስቓስ የለን። ፋርማሲን እንዳ ባኒ ጥራይ`ዩ ዝሰርሕ ዘሎ” ይብል ሓደ ነባሪ።

ዋና`ቲ ዝተጸውዐ ኣድማ ህዝቢ`ዩ ይብል ኣተሓሒዙ። እቲ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ብዘይካ ኣብ ጎንደር፡ ኣብ ደባርቅ፡ ዳባት፡ ቆላድባን ካልእን ይካየድ ከምዘሎ`ውን ይገልጽ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ኦሮሚያ፡ ኣብ ኮንሶ፡ ኣብ ደቡብን ኣብ ኻልኦት ኸባብታት ኢትዮጵያን ሰባት ይከላበቱን ይእሰሩን ከምዘለዉ ተቓወምቲ ፓርትታት የማርሩ።

ካብ ኣካላት መንግስቲ ምላሽ ንምርካብ ኣይተኻእለን።