ጎንደር -- ብውሑዱ 2 ሰባት ተቐቲሎም፡ ግጭት ይሃድእ

ጎንደር- ፋይል

ኣብ ታሪኻዊት ከተማ ጎንደርን ከባቢኣን ዝካየድ ዘሎ ምልውዋጥ ተዅሲ ዕጡቓት ሚሊሻ ፋኖን ሰራዊት ፈደራልን ክብን ለጠቕን ዝብል ኰይኑ፡ ዛጊት ብውሑዱ ክልተ ሰባት ምሟቶምን ተወሳኺ ሰለስተ ድማ ምቝሳሎምን ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም መራሕቲ ሃይማኖት ካብቲ ቦታ ገሊጾም። ካብ ግዳያት እቲ ሓደ ኣብ ቀጽሪ ቤተ-ክርስትያን ተዓቚቦምብሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን ከምዝተጎድአ ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል ጎንደርን መራሕቲ ሃይማኖት ናይቲ ቤተ ክርስትያንን ገሊጾም።

ንድሕነቱ ብምስጋእ ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ሰራሕተኛ ሆስፒታል ጎንደር፡ ብውሑዱ 10 ሰባት ንሕክምናዊ ኣገልግሎት ናብቲ ሆስፒታል ምምጻኦም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። ካብ መንጎኦም ዛጊት ዝሞቱ እንተልዮም ግን እቲ ሓበሬታ ኣየነጸረን።

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ እታ ከተማ ብሰንኪ እቲ ምልውዋጥ ተዅሲ ገለ ኣባይቲ’ውን ምዕናዉ ሓቢሮም። ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ እቲ ተዅሲ ብመጠኑ ከም ዝሃድአ ዝገለጹ ነበርቲ፡ ምምሕዳር እታ ከተማ’ውን ኣቋሪጹ ዝነበረ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምጅማሩ ሓቢሩ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ዘሎ ጸገም መራኸቢታትን ጸጥታን ድምጺ ኣመሪካ ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ምልውዋጥ ተዅሲ ምሉእ ስእሊ ንምርካብ ኣይከኣለን።